Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ንኹሉ ዝሓወሰ መንግስትነት ምትካል የድሊ -ውድብ ሳልሳይ ወያነ...

ህልውና ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ንኹሉ ዝሓወሰ መንግስትነት ምትካል የድሊ -ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

158

መቐለ፥3 ጥቅምቲ 2017ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ህልውና ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ እዩ ዝበለ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ እዚ ንምውሓስ ንኹሉ ዝሓወሰ መንግስትነት ምትካል የድሊ ኢሉ ።

ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምምላስ ፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስን ውን ኣካል መፍትሕታት ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ምዃኖም ኣስሚሩሉ ሳወት።

ምስ ካሊኦት ውድባት ግምባር ብምፍጣር ሓበራዊ ስራሕቲ ንምስላጥ ይነጥፍ ከም ዘሎ ውን ኣፍሊጡ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘሳለጦ ህዝባዊ ዋዕላ ።

ኣቦ ወንበር ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ኣሉላ ሃይሉ እዚ ህዝባዊ ዋዕላ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብና ዘለዎ ሓሳብን ሪኢቶን ዝሃበሉ እዩ ኢሉ።

ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካ ቅልውላውን መፍትሑን ብዝምልከት መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረበ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ሳወት ሃይሉ ከበደ መንግስትነት ምትካል፣ምስ ለውጢ ሓይሊ ብፍላይ ምስ ብሄራዊ ሓይሊ ምትእኽኻብ ፣ምምላስ ተመዛበልትን ምርግጋፅ ግዝኣታኢ ሓድነትን ትግራይ ኣብ ሓፂር እዋን ክፍታሕ ዝግበኦ ከም መስል ርእሰ ምሕደራ ምውሓስ፣ፍትሕን ተሓታትነትን ምርግጋፅን ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ምርግጋፅ ድማ ኣብ ማእከላይ እዋን ክፍታሕ ዘለዎ ኮይኑ ምግሃድ ዴሞክራያስያዊት ትግራይ ናይ ነዊሕ እዋን ፍታሕ ዝሓትት እዩ ኢሉ።

ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ “ብሄራዊ ድሕነትን ስምረትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ሸውዓተ ከተማታት ትግራይ ህዝባዊ ዋዕላ ከምዘሳለጠ እቲ ውድብ ኣፍሊጡ።

#ብጥዑማይ ገዛኢ