Home ዜና ህዝቢ ዘጋጥሙዎ ፀገማት ተወዲቡ ንምፍታሕ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ክጠናኸር ይግባእ ኢሉ ኤጀንሲ...

ህዝቢ ዘጋጥሙዎ ፀገማት ተወዲቡ ንምፍታሕ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ክጠናኸር ይግባእ ኢሉ ኤጀንሲ ምስፍሕፋሕ ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ልምዓት ዕዳጋን ትግራይ

465

መቐለ፥ 20 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ማእኸላ ኣብ ሚዘር 70 ካሬ ከተማ መቐለ ዝገበረት ሓ/ዝ/ መሰረታዊ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ቤት ትምህርቲ ፈለግ መስራታይ ጉባኤኣ ኣሳሊጣ።

ብ246 ኣባላት ዝተመስረተት ቤት ትምህርቲ ፈለግ፣ ንትርፊ ዘይኮነስ ደቆም ኣብ ውልቀ ኣብያተ ትምህርትን ኮሌጃትን ንምምሃር ዝኸፍልዎ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ መጠን ገንዘብ ንምትራፍ ዝዓለመ ምዃኑ ኣባላት እታ ማሕበር ተዛሪቦም።

ኣብቲ ጉባኤ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረቡን መስራቲ ኣባልን ኣይተ ሃመልማል ገብረክርስቶስ ከምዝገለፅዎ፣ ኣብ ሓደ ስድራ ብማእኸላይ ሰለስተ ተምሃሮ ከምዝህልው ዝተገበረ ዳህሳስ የረድእ።

ሐዚ ብዝተገበረ መፅናዕቲ ኣብ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ዘሎ ክፍሊት ንሓደ ተምሃራይ ካብ ክልተ ሽሕ ክሳብ ኣርባዕተ ሽሕ ብር ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ሃመልማል፣ ኣብቲ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ብዘይምህላዉ ተምሃሮ ንዘይተደለየ ምንግልታዕን ወፃእታትን ከምዝቃልዑ ሓቢሮም።

ምክትል ሓላፊ ኤጀንሲ ምስፍሕፋሕ ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ልምዓት ዕዳጋን ትግራይ ኣይተ የማነ ገብረመስቀል ህዝብና ዘጋጥሙዎ ፀገማት ንምፍታሕ ብሕብረት ስራሕ ማሕበር ተወዲቡ ንምፍታሕ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ዝነኣድ እዩ ኢሎም።

ሓ/ዝ/ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ፈለግ ብዘፈር ትምህርቲ ምምፅኣ ኣብ ትግራይ ኣብ ምንኣስ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ኣብ ትምህርቲ ዘሕድሮ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ንምንካይ ዝሕግዝ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ኣብ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርትን ህንፀት ወለዶን ግደኣ ክተበርክት ከምዝግባኣን ዝጀመረቶ ክያዶ መርኣያ ካልኦት ክትኸውን ከምዘለዋን እውን ገሊፆም ኣይተ የማነ።

መስረትቲ ኣባላት እታ ቤት ትምህርቲ ደቆም ክመሃርሉ ዕድል ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ ነበርቲ እቲ ከባቢ እውን ተጠቀምቲ ዝኾኑሉ ባይታ ዝፈጥር እዩ ኢሎም።

ኤጀንሶም ክትትልን ድጋፍን ከምዝገብር ዝገልፁ ኣይተ የማነ፣ ፀገም ሕብረተ ሰብ ንምፍታሕ እዞም ተመኩሮታት ንምስፍሕፋሕ ከምዝስራሕ ሓቢሮም።

ኣተሓባባሪት ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ከተማ መቐለ ወይዘሮ ዘመዳ ገብረሚካኤል፣ ብመዳይ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ብብርኪ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ቤት ትምህርቲ ፈለግ ትምስረት ምህላዋ ገሊፀን።

ኣብ ከይዲ ህንፀት ሕፅረት ፋይናንስ ከየጋጥም ምስ ትካላት ዕቋርን ልቓሕን ብምትእስሳር ሓቢርካ ምስራሕ ከም ዘድሊ ውን ኣረዲአን።

ሓ/ዝ/ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ቤት ትምህርቲ ፈለግ ኣብ ዝመፅእ ዘሎ 2018 ዓ.ም ብመዋዕል ህፃውንቲ ስርሑ ንምጅማር ትልሚ ከም ዝሓዘ ተሓቢሩ።

እቲ መሰራቲ ጉባኤ ነቲ ትካል ዝመርሑ ኣመራርሓ ቦርድ መሪፁ ውዕሉኡ ዛዚሙ።

#መለስ_ኣለማት