Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ህዝብን ውድብን ንምድሓን ብዝተወደበ ፖለቲካዊ መንገዲ ከምዝሰርሑ ምኽትል ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት...

ህዝብን ውድብን ንምድሓን ብዝተወደበ ፖለቲካዊ መንገዲ ከምዝሰርሑ ምኽትል ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

122

መቐለ፥ 21 መስከረም 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ኣይተ ጌታቸው ነዚ ዝበሉ ኣብ መድረኽ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ላዕለዎት ኣመራርሓን እዩ።

“ህዝብን ውድብን ኣብ ምድሓን ኩሉ ዓቅምታት ተጠቒምና ብዝተወደበ ፖለቲካዊን ሕጋውን መንገዲ ክንሰርሕ ኢና” ኢሎም።

“በዓል 50 ዓመት ዕድመን ታሪኽን ህወሓት ሕጋዊ ሰውነት ንምምላስ ጥራሕ ዘይኮነስ ግቡእ ቦትኡ ዝረኽበሉ ዕድል ንምፍጣር ክስራሕ እዩ” ኢሎም።

ኩሎም ዓቅምታት ኣብ ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ክዓስሉ ክንገብር ኣለና ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ህወሓት በይኑ ኣብ ናይ ትግራይ ዕድል ብሞኖፖል ዝቆፃፀረሉ መንገዲ ክህሉ ከምዘይብሉ ተዛሪቦም።

“መሪሕነት ህወሓት ብዝፈፀሞም ገበናት ህዝቢ ኣብ ሽግር ወዲቁ እዩ” ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው “ምድሓን ህወሓት ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዙይ ንምግባር ብትኹረት ክስራሕ እዩ” ኢሎም።

“ጠቕላሊ ዝኾነ ሓይሊ ሒዝካ ህወሓት ክድሕን ኣይኽእልን፤ ህዝቢ ዝሰምዕን ዲሞክራሲያዊን ህወሓት እዩ ክድሕን ዘለዎ” ኢሎም።

“ምስቲ ጉባኤ ኣካይደ ዝብል ሓይሊ ዘሎ ሓደ ዘይምቅዳው ስልጣን ማእኸል ዝገበረ እዩ ፤ ሓለፍቲ ናይ ምምዳብ ሓላፍነት ናይ ፕረዚደንት ኮይኑ እንተሎ ምደባ ዝካየድ ዝነበረ ብቤት ፅሕፈት ህወሓት እዩ” ኢሎም።

ኣብዚ ኣኼባ ዝሳተፉ ዘለዉ ንምክትል ኣቦመንበር ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ 16 ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት እቲ ብደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ.ር) ዝምራሕ ህወሓት ዘካየዶ ጉባኤ ” ሕጋዊ ኣይኮነን” ብምባል ኣይንሳተፍን ምባሎም ይዝከር።

ብ ኣቦ ወንበር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ.ር) ዝምራሕ ህወሓት ድማ ንምክትል ኣቦመንበር እቲ ውድብ ሓዊሱ ኣብቲ ጉባኤ ዘይተሳተፉ 16 ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ካብቲ ውድብ ከምዘባረሮምን: እቶም ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ንህወሓት ወኪሎም ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ክገብሩ ኣይኽእሉን ምባሉን ዝዝከር እዩ።

እቲ መድረኽ ፅባሕ እውን ቀፂሉ ክውዕል እዩ ተባሂሉ።

#ይብራህ_እምባየ