Home ዓለምለኻዊ ዜና ህፁፅ መረፃን ቅልውላው ፖለቲካ ፈረንሳይን

ህፁፅ መረፃን ቅልውላው ፖለቲካ ፈረንሳይን

150

ፕረዝዳንት ማክሮን ሃገሮም ፀረ ሴማዊ ምንቅስቓስ ከም ዘይትድግፍ ኣፍሊጦም:: ብማሪን ለ ፔን ዝምራሕ ኣኽራሪ የማናይ ሓይሊ፤ ብዴሞክራሲን ፍትሒት ንእትፍለጥ ፈረንሳይ ዘይምጥንን ምዃኑ ዝጠቐሱ ፕረዝዳንት ማክሮን፤ የማናዊያን ይኹኑ ፀጋማዊያን ውድባት ጥምረት ፈጢሮም ክስዕርዎ ይግባእ ኢሎም፡፡

መንግስቲ መስሪቱ ዘሎ ውድቦም ሬነይሰንስ፤ ዴሞክራሲያዊ ባህሪያት ምስ ዘለወን ሃገራዊያን ወድባት ምትሕብባር ከም ዝገብር ዘፍለጡ ኤማኑኤል ማክሮን፤ ብላፔን ካብ ዝምራሕ ውድብ ራሊ ንዝቐረበሎም ፃውዒት ውህደት ፍፁም ከም ዘይቕበልዎ ኣነፂሮም፡፡

ድሕሪ ምብታን ፓርላማ ፈረንሳይ፤ ፈላማይ መብርሂ ሂቦም ዘለዉ ማክሮን፤ ኣብ ሃገሮም ምምሕያሽ መሃያ ጥሮታ ሓዊሱ ሓደሽቲ ፖሊሲታት ከም ዝወጠኑን ተሓሲቡ ዘሎ ህፁፅ መረፃ ህልው ፖለቲካ ፈረንሳይ ንምፍላጥ ጥራሕ ምኻኑ ኣብሪሆም::

ውድቦም ኣብ መናእሰይ እኹል ስራሕ ብሰንኪ ዘይምስርሑ ስዕረት ገጢምዎ ምህላዉ ዝገለፁ ማክሮን፤ ነዚ መፍትሒ ዝኾኑ ሓደሽቲ ፖሊሲታት ምሕንፃፆምን ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ፀረ ሴማዊነት ብምንፃግ ሕገ መንግስቲ ስርዓት ከኽብሩ ፀዊዖም፡፡

ፈረንሳይ ብዙሓት ክፋላት ማሕበረሰብ ኣለዉዋ፡፡ ሕገ መንግስትና እውን ነዙይ እዩ ዝፈቅድ ዝበሉ ማክሮን፤ ኣኽራርነት ንሃገሮም ዘይምጥን ምዃኑን ነዚ ዝደፋፍኡ ማሕበራዊ ሚዲያታት ንምዕጋት ትሕቲ 11 ዓመት ሰገናት ከም ምጥቃም ክእገድን ወሲኖም፡፡ከም ፀብፃብ ፍራንስ 24፡፡

#ብገ/ሄር_ ሃይሉ