መቐለ፥ ሰነ 07/2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)
መዓልቲ ህፃናት ኣፍሪካ ሰነ 9 ዝኽበር ኮይኑ ብብርኪ ኢትዮጵያ ንመበል 34 ጊዜ ብብርኪ ትግራይ ድማ ንመበል 32 ጊዜ ክኽበር እዩ።



እዚ መዓልቲ ብፍሉይ መሰል ምርካብ ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ኣድሂቡ ዝበዓል መዓልቲ ህፃናት ከምዝኾነ ብብርኪ ኣፍሪካ ተደንጊጉ ይርከብ።

እዚ መዓልቲ ህፃናት ትግራይ ከ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኮይኖም የኽብርዎ?
ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ህፃናት ትግራይ ንሞት ፣ስደት፣ ዕርቃን ፣ዘኽታምነት፣ ጥሜትን ወላዲ ኣልባን ኮይኖም ከምዘለው ፀሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ።
እዚ መዓልቲ ምኽንያት ብምግባር ህፃናት ትግራይ ኣብ ሓደ ቦታ ዝገበናዮ ፃንሒት ክነላልየኩም።
እዞም ህፃናት ብስንኪ እቲ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ወለዶም ዝሰኣኑ፣ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ፣ ብሰንኪ ጥሜትን ሓብሓብን ናብ ማእኸል መሐብሐቢ ዝኣተው ከም ኣብነት ክነላልየኩም።


ህፃን ሃኒባል ብስራትን ህፃን ሳሙኤል ብስራትን ክልተ ኣሕዋት ምንኣስን ምዕባይን ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም፤ኣቦኦምን እነኦምን ተሰዊኦም፤ ምስ እነ እነሓጎኦም ኣብ ማእኸል መዕቆቢ ተመዛበልቲ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ምስ ይነብሩ ዝነበሩ ኮይኖም ብሰንኪ እቲ ጄኖሳይዳዊ ኲናት እነሓጎኦም ብሰንኪ ጥሜት ሂወተን ክሓልፍ ከምዝኸኣለ እቶም ህፃናት ገሊፆም።

ህፃን ያሬድ ወልዱ ካብ ከተማ ማይ ካድራ ተመዛቢሉ ደሃይ ወለዱ ዘይብሉ ሐዚ ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝርከብ ገሊፁልና።

ህፃን ናኦል ገ/ስላሰ ነባርነቱ ኣብ ከተማ ፍረወይኒ ኮይኑ ኣቦኡ ጄነራል ከምዝነበረን ከምዝተሰወአን ኣዴኡ ድማ ሰበይቲ ጁንታ ተባሂላ ብፀላእቲ ከምዝተቐትለትን ዝገለፀ ኮይኑ ካብዚ ብተወሳኺ ሕማም ትርፊ አንጀት ክልተ ጊዜ ኦፕሬሽን ከምዝተገበረን ነጊሩና።

እዞም ህፃናትን ካልኦትን በቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ሞት ወለዶምን ጥሜትን ዝፈጠሮ ሐዚ ኩሎም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ኣብ ትካል ምግባረ ሰናይን ማእኸል መዕበይ ህፃናትን ሙሉ ይርከቡ።



እዞም ህፃናት ሕልሞም፣ተስፋኦም፣ ድሌቶም ብፅቡቕ ኣተዓባብያ ክዓብዩ ፣ ብትምህርቶም ንፉዓት ፣ብስነ ምግባሮም ፅቡቃት፣ ኩሎም ዝተደንገጉ መሰልን ኣዋጃትን ህፃናት ተኸቢርሎም ክነብሩ ድሌቶም ዋላኳ እንተነበረ ሐዚ ግን ኣብዚ ኩነታት ይርከቡ።
ሰነ 9 ዝኽበር መዓልቲ ህፃናት ኣፍሪካ ምኽንያት ብምግባር ኣብ “ትካል ምግባረ ሰናይን ማእኸል መዕበይ ህፃናትን ሙሉ” ዝርከቡ ህፃናት ድማ ሎሚ ሰነ 7. 2017 ዓ.ም ኣብ ተስፋን ፋቕዕን ኮይኖም ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣኽብሮምዎ።



እቶም ኣብቲ ማእኸል ዝርከቡ ህፃናት ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ግቢ ዘሎ ኮይኑ ብሰንኪ ፅበት ቦታ ንምፅዋት፣ ንምንባብን ሰፊሕ ቦታ ከምዘድልዮም ሓቲቶም።
ኣብ ትካል ምግባረ ሰናይን ማእኸል መዕበይ ህፃናትን ሙሉ ልዕሊ 70 ህፃናት ከምዝርከቡ ዝገለፁ መስራቲ እቲ ማእኸል መምህር ሙሉ ሃይለስላሰ ኣብ ናይ ውልቀ ሰብ ገዛ ተካሪና ነዕቢ ኣለና ኢሎም።



ኣብ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይን እግሪ ምትካልን ክልል ትግራይ ላዕለዋይ ኪእላ ክንክን ህፃናት ኣይተ ዳዊት ጌታሁን ብወገኖም ብሰንኪ እቲ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ብዙሓት ህፃናት ኣደዳ ሞትን መከራን ኮይኖም እዮም ዝበሉ ኮይኖም ኣብ ትካል ገባሪ ሰናይን መዕበይ ህፃናትን ሙሉ ኣብ ክራይ ገዛ ኮይኖም ብዙሓት ህፃናት የዕብዩ ዘለው ኮይኖም ንዘጋጥሞም ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ሓጋዚ ከምዝኾኑ ገሊፆም።




መዓልቲ ህፃናት ኣፍሪካ ብብርኪ ትግራይ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝኽበር እውን ኣገንዚቦም እቶም ክኢላ።
መዓልቲ ህፃናት ኣፍሪካ በቲ ትካል “ንፅባሕ ሃገር ተረከብቲ ትውልዲ ንምህናፅ ኣብ ህፃናት ትኹረት ገይርና ንስራሕ ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ፍሉጣት ሰባትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ኣመራርሓ መሓውር መንግስትን ኣብ ዝተረኸብሉ ተኸቢሩ።



#ብጥዑማይ_ገዛኢ