Home ቢዝነስ ሆቴላት ትግራይ ብዝሰልጠነ ሰብ ሞያ ክምርሓ ብምግባር ቱሪዝም ትግራይ ክዓቢ ክንሰርሕ ኢና-...

ሆቴላት ትግራይ ብዝሰልጠነ ሰብ ሞያ ክምርሓ ብምግባር ቱሪዝም ትግራይ ክዓቢ ክንሰርሕ ኢና- ሰብ ዋና ዓበይቲ ሆቴላት ትግራይ

136

መቐለ፥ 06 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ሆቴላት ትግራይ ዓለም ለኸ ደረጃ ክሕዙን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ክህልዎምን ዘኽእሎም ዓቕሚ ንምፍጣር ዝዓለመ መድረኽ ብወነንቲ ዓበይቲ ሆቴላት ትግራይ ምስ ኢንፊኒቲ ኣቕረብቲ ሆቴልን ሰብ ሞያ ሆቴልን ቱሪዝምን ትግራይ ምትሕብባር ተሳሊጡ።

ኢንፊኒቲ ኣቕረብቲ ሆቴላት ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተመስረተ እንትኸውን ኣብ ዝተፈላልዩ ሃገራት ኣብ ስራሕቲ ኣቕርቦት ዓለም ለኸ ሆቴላት ሰብሞያ ብምስልጣንን ሞያዊ ሓገዛት ብምግባርን ከምዝሰርሕ ኣካያዲ ስራሕ “ኢንፊኒቲ ኣቕረብቲ ሆቴላት” ጁጁ ቻንድራ ገሊፆም።

ፕረዚደንት ማሕበር ሰብ ሞያ ሆቴልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣይተ ፅጋቡ ኪሮስ ከምዝገለፅዎ፣ሆቴላት ትግራይ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ክውንናን ዓለም ለኸ ደረጃ ፅሬት ከማልኣን እዚ ተሞኩሮ ዑዙዝ ግደ ኣለዎ ኢሎም።

ሰብ ዋናን ሰብ ሞያ ሆቴላትን ድማ ነዚ ዕድል ክጥቀሙሉ ከምዘለዎም ሓቢሮም።

ሰብ ዋና እተን ሆቴላት ብወገኖም እቲ ዕድል ንምጥቃም ምስ ኢንፊንቲ ኣቕረብቲ ሆቴላት ሓቢሮም ንምስራሕ ድልዋት ከምዝኾኑን ዝሰልጠነ ሰብ ሞያ ቆፂሮም ተረባሕነቶም ከምዘዕብዩን ገሊፆም።

ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ላዕለዋይ ኪኢላ ምርግጋፅ ብቕዓትን ምደባ ደረጃን ኣይተ ሃፍቱ ወ/ገብሪኤል ሆቴላት ትግራይ ብምዝማንን ዝሰልጠነ ሰብ ሞያ ክውንና ብምግባርን ቱሪዝም ትግራይ ንክዓቢ ግደ ኣለዎ ኢሎም።

ባህልን ቱሪዝምን ድማ ምስ ኩሎም መድረግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ኣብ ምጥንኻር ዓለም ለኸ ሆቴላት ከምዝሰርሕ ገሊፆም።

#ብመለስ-ኣለማት