ኣብ መቐለ በዓል መስቀል ኣብ ድሮ ምሸት ኣብ ጎቦ ጮምዓ ኣብ ዕለቱ ድማ ኣብ እንዳጋብር ምስ ምብራህ ዳሜራን ካልኦት ባህላዊን ሃይማኖታዊን ምድላዋት ይኽበር። ምስ ትዉፊታት በዓል መስቀልን ጎቦ ጮምዓን ክነላልየኩም።
* ስያሜ ጎቦ ጮምዓ-መቐለ
”ጮምዓ” ኣፈ- ታሪኽ ወለዲ ከምዝሕብርዎ ኣብ ጥንቲ ንዝተፈላለዩ ተግባራት ካብ ማእኸል ሃገር ዝመፁ ሰባት ኣብቲ ቦታ ኣብዑር ሓሪዶም ብኣጋጣሚ ኩሎም ሰቢሖም
ምስረኣይዎም “እንዴት ያለ ጮማ ነው” በሉ ይበሃል ፡፡
ኣብቲ ቦታ ዝተረኸቡ ደቂ-ዓዲ ድማ ካብዚ
ተላዒሎም ነቲ ጮማ ዝብል ቃል ኣምሓርኛ ጮምዓ
ናብ ዝብል ቃል ብምቕያር ስም እቲ ኸባቢ
ገይሮምዎ ይበሃል (መፅሄት ጮምዓ፣ 2008፣ 54) ከም ዘመላኸቶ ።
* ትውፊታት ጎቦ ጮምዓ-መቐለ
ትውፊት ምስ ታሪክ፣ ስነ-ዃዕቲ፣ ሃይማኖት፣ ምዕባለ ማሕበረሰብ፣ ስነ-ፅሑፍ፣ መራኸብቲ ብዘሃንን ስርዓተ ፆታን ተዛሚዱ ዝረኣ ህዘባዊ ፍልጠት፣ ህዝባዊ ፍልስፍና፣ ህዝባዊ ጥበብ ማለት እዩ፡፡ትውፊት ሓደ ማሕበረሰብ ናይ ዘዋህለሎምን ዝውግኖምን ምንቅስቓሳት መግለፂ እዩ፡፡ህዝቢ መቐለ እውን ኣብ ጎቦ ጮምዓ ዝሰርሖም ስራሕቲ ቡዙሓት እዮም።ምስ ጎቦ ጮምዓ ድማ ምስ በዓል መስቀል ተኣሳሲሩ ብርክት ዝበሉ ተዘክሮታትን ታሪኻትን ኣለውዎ ። ጮምዓ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፈ ዝመፀ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ፀጋታት፣ ታሪክን ትውፊታትንዘለዎ ጎቦ እዩ፡፡
* ጮምዓን እንዳ መስቀልን
•ትውፊት ምስ ሃይማኖትን በዓላትን ርክብ ኣለዎ። ኣብ ከተማ መቐለ ትሕቲ ጎቦ ጮምዓ ኣብ ገዳም ደብረገነት መድሃኔ ዓለም ብከባቢ ኣንፈት ደቡብ ኣብ ዝርከብ ቦታ ግማደ መስቀሉ ከምዝዓረፈ ኣፈ- ታሪኽ ይዛረብ።
• እቱ ግማደ መስቀሉ ዝዓረፈሉ ቦታ እውን ካብ ሽዑ
ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ እንዳመስቀል እናተብሃለ ይፅዋዕ።ንግማደ መስቀል ዝሓዙ ልኡኻት ካብ እዮርሳሌም
ናብ ዓድና እንትመፁ ኣብቲ ኸባቢ 40 መዓልቲታት
ፀኒሖም ይበሃል። ሽዑ ቤተ-ክርስትያን እንዳሚካኤል ዝነበረሉ እዩ።
* ጮምዓን ሃፀይ ዮውሃንስን
ንዕብየትን ምስፋሕን መቐለ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾኑ ንጉሰ ነገስቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ራብዓይ መቐለ ንርእሰ ከተማነት መሪፆም ቤተ-መንግስቶም ምስርሖም እዩ። ንጉሰ ነገስቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ራብዓይ ቤተ- መንግስቶም ክሳብ ዝስራሕ ኣብ ጎቦ ጮምዓ ዳስ ተኺሎም ከምዝፀንሑ ሰብ ፀጋ ዕድመ መቐለ የዘንትው፡፡
ካብ 1864 ክሳብ 1867 ዓ.ም ድማ ምዓም ኣምበሳ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ኹጀት ቤተ-መንግስቶም አስሪሖም ሃፀይ ዮውሃንስ ይባሃል፡፡ንቀኝ ጌታ ተካ ኪዳኑ ዝጠቐሰ ኣንበስ ተወልደ (ዶ/ር)- “ሃፀይ ዮሃንስ መቐለ መምበረ መንግስቶም እንትገብርዋ ንፁር ወሰን ንክህልዋ ኢሎም ሽግ ብምውላዕ ብዝባን ጮምዓ ፣ ብእንዳየሱስ- ዓይናለም፣ ገይሮም ናብ እንዳስላሰ መቐለ፣ ወሪዶም ዓዲ ሓውሲ፣ ብምኻድ ኾሊሎም ናብ ማይ ግፋፍ፣ ብምቕፃል ዓዲ ጋፉፍ፣ ናብ ዓዲ ወለል፣ ብምኻድ ተጠውዮም ናብ ዝባን ግድሚ ማይ ቆሪር፣ ደይቦም ብደገ ዜማቲ ጌሮም ናብ ጮምዓ ብምምላስ ንመቐለ ጠሪሮምዋ” ይብል (መፅሄት ጮምዓ ፣2009፣ 11) ።
ሃፀይ ዮውሃንስ ኣብ ጎቦ ጮምዓ ዳስ ደስዲሶም ንሰለስተ ዓመታት ከምዝፀንሑ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ።
* ጮምዓን ሆያ ሆየን
ኣብ ድሮ በዓል መስቀል ማለት እውን 16 መስከረም መናእሰይ ካብ ዝተፋላለዩ ኩርናዓት ከተማ መቐለ ሽግ ወሊዓም ሆየ ሆ እንዳበሉ ናብ ጎቦ ጮምዓ ይድዩቡ። ዓበይቲ ዓዲን ካልኦት ኣመንቲን እውን ብተመሳሳሊ። እዚ ፍፃመ ጎቦ ጮምዓ ብብርሃን ሽግ ደሚቑ ፉሉይ ገፅታ ሒዙ ንከምሺ ዝገብር እዩ።
ነበርቲ መቐለን ከባቢኣን ኣብ ጎቦ ጮምዓ ምስ ተኣኻኸቡ ዝተፋላለዩ መርሃ ግብሪታት የካይዱ። ከፍቲ ተሓሪዶም ስነ ስርዓት መስተንግዶ ይካየድ። ዳሜራ እውን ይውላዕ ። ዝተፋላለዩ ሃይማኖታዊን ባህላውን ስነ-ስርዓታት ይሳለጡ ።
“ሆየ ሆየ ዮሃንስ መስቀለ ብርሃን ተቐልቐለ፣ሆያ ሆየ ሆየ ሆየ ዝበልና ዓመት ይድገመና፣ ሆየ ዘይበሉ ዓመት ይማህለሉ”፡- እምነት፣ ብርሃን፣ ቃላዊ ግጥሚ፣ ደርፊ፣ ሰናይ ትምኒት፣ መፅብዓን ምሕፅንታን ይንፀባርቑ ፡፡
* ጎቦ ጮምዓን መንገዱን
•ምስ ዓመታዊ በዓል መስቀልን ሆያ ሆየን ተኣሳሲሩ ኣብ ህንፀት መንገዲ ጮምዓ በዓል ሞሳ ዝኾኑ ልዑል ራእሲ መንገሻ ስዩም ዝተሓሓዝ ትውፊት ድማ ክነልዕል ንግደድ፡፡
“መስከረም 16 ኣብ ጎቦ ጮምዓ ዝረአ ስነ-ስርዓት ምውላዕ ሽግን ሆያ ሆየን ድምቀቱ ተዓዙቦም ልዑል ራእሲ መንገሻ ስዩም ብኣፍራስ ኾሊሎም፣ ሪኦም ክፅረግ ዝገበሩን ባዕሎም ኣብ ዘለውሉ ተመሪቑ ኣገልግሎት ክህብ ብምግባር፣ እቲ ስነ-ስርዓት ብዝበለፀ ክደምቕ ገይሮም እዮም፡፡
መንገዲ ጮምዓ ብኸምቲ ዝተገለፀ ኣገባብ መልክዕ
ክሕዝ እንተተገበረኳ ብሰንኪ ተወሳኺ ስራሕቲ
ዘይምክያዱ በቢጊዙኡ እናተሸርሸረ ፀኒሑ እዩ፡፡ ነዙ
ዝተዓዘቡን ብማሕበር ጮምዓ ሕቶ ዝቐረበሉ ትእምት ብኮንስትራክሽን ሱር ኣቢሉ ክስራሕ ተገይሩ እዩ፡፡
* ጮምዓን ኣግራባቱን
ጎቦ ጮምዓ ቕድሚ እቲ ሕዙዎ ዘሎ ካብ ብርሰት ዝተረፈ ኣግራብ ቐደም ብነባራት ዓሌት ኣእዋም ማለት እውን ፦ ፅሕዲ፣ ኣውሊዕ፣ ክሊዖው፣ ዓጥዓጥን ዝመሳሰሉን፣ ወቕቶም ሓልዮም ዝቦቕሉ ንሰብን እንስሳን ከም ኣማራፂ ምግብነት ዘገልግሉ ከም ዓይኒ ኣንበሳ፣ ጮጮሆ፣ ዓንጎ፣ ብሽጎን ዝመሳሰሉን ዝማዕረገ ኔሩ።
ከምኡ ድማ እንስሳ ዘ-ገዳም ከምዝነበርዎ ኪኢላታት ኣብ ዝተፈላለየ ግዝያት ገሊፆም፡፡ ኣብ ዝባን ጮምዓ (ደጉዓ መቐለ) ዝነበረ ስራሕቲ ሕርሻን መጓሰ ጥሪትን፣ ልምላመን ራሕስን እቲ ኻልእ ፀጋ ጮምዓ እዩ፡፡ብካሊእ ኣገባብ ድማ ጮምዓ “ሳምባ መቐለ” ምዃኑ እዩ ፤ ኣንበስ ተወልደ (ዶ/ር) ኣብ መፅሄት ጮምዓ ሕታም 2010 ዓ.ም ከምዘስፈሮ።
“መቐለ ንነበርታ ምችውትን ተመራፂትን ንክትኮውን፣
መቐለ ፅሩይ ኣየር ክትትንፍስ ካብ ዝገብርዋ ዘለው
ከባቢታት ሓደ ጮምዓ እዩ፡፡
ዝለዓለ መተንፈሲ ኣካል ዝርከብ ኣብ ጮምዓን ኸባቢኣን ምዃኑ ካብ ኸባቢ ክሳድ ጊመል ክሳብ እግሪ ጎቦ ማይ ቆሪር ዘሎ ሳምባ መቐለ ንክኾን ዘተሓሕዝ ከባቢ እዩ፡፡ ነዙ እዩ ድማ ጮምዓ ሳምባ መቐለ እያ ትብሃል” ዘበለና፡፡
* ጮምዓ ምስ ጉዕዞ እግሪን ኣካላዊ ምንቅስቓስን
“ጮምዓ ሰባት ብሓፈሻ መናእሰይን ኣጋይሽ ዓድን ብፍላይ ክህደሱን ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ስፖርት ንምክያድን ዝምቹው ገፀ ምድሪ ዘለውዎ ግድሚ እዩ፡፡
ጎቦ ጮምዓ ቀስ ኢልካ ይኹን ጎይኻ ክትኸደሉን ክትለማመደሉን ዘኽእል ዝተፈላለዩ ዓይነታት ገፀ ምድሪ ኣለውዎ። ሜዳ፣ ዓቐብ፣ ቑልቑል፣ ሓባጥ ጎባጥ፣ ጥውይዋይ፣ ሕሩስ፣ ጭቃ፣ ማይ ወዘተ ዘለዎ ብምዃኑ ብፍላይ ንምፍራይ ብሉፃት ኣትሌታት ምችውን ተመራፅን እዩ” (መፅሄት ጮምዓ፣ 2010፣13)፡፡
ሎሚ ዓመት ከምቲ ልሙድ በዓል መስቀል ከተማ መቐለ 16 መስከረም ኣብ ጎቦ ጮምዓ ፣ 17 መስከረም ድማ ኣብ እንዳ ጋብር ብዝተፋላለዩ ምድላዋት ክኽበር እዩ።
ብድምር ጎቦ ጮምዓ ዘለውዎ ፀጋታት ብጭልፉ ኣብዚ ኣስፊርና ኣለና። ብዙሓት ዘይተዳህሰሱ ታሪኻት ከምዝህልው እውን ርዱእ እዩ። እዞም ፀጋታት ናብ ልምዓት ቱሪዝም ንምልዋጥ ኩሉ ግደኡ ከበርክት ይግባእ።
ፍልፍልና መፅናዕታዊ ፅሑፍ ጋዜጠኛ ሰለሙን ኣባዲን ካልኦት ፅሑፋትን እዮም።
#ብሰለሙን_በርሀ