Home ዜና ሌላ ምስ ሁራ ሰለስተ

ሌላ ምስ ሁራ ሰለስተ

1102
  እንታይነት ሁራ ሰለስተ

ኣብ ከባቢታት ኣፅቢን ወንበርታን ብኣብዛሓ ዝፍለጥን ዝፅወትን እዩ። ብዝተፈላለየ ቅድን ውቕዒትን ይፅወት።ሁራ ሰለስተ ኣብ ኣፅቢን ወንበርታን ብፍሉይ ድማ #ትሸዓንተ ዓዲ ዳራ፣ 33 ዓዲ #ኣፅቢ ፣ 12 ዓዲ #ወንበርታ ዝፅወት (ዝርገፅ) ባህላዊ ትውፊት እዩ።

ሁራ ሰለስተ ካብ ኣፅቢን ወንበርታን ብተወሳኺ ኣብ ክልተ ኣውላዕሎ ከባቢታት ዓደቀሳንድድ ፤ ኣብ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ ድማ ኣብ ከባቢታት ጒላ፣ ኣበንዓ፣ ሓዊለን ረዓይለን እውን ብስፍሓት ይፅወት።

ሁራ ሰለስተ ዓበይቲን መናእሰያትን ዝድሰትሉ ባህላዊ፣ሃይማኖታዊን ታሪካዊን ሙዚቃን ስዕሲዒትን እውን እዩ። እዚ ፀወታ ኣእጋር በቢቅደም ሰዓዓቦም ምስ መሳዕስዕትኻ (ሁራ መራግፅቲኻ) ብማዕረ ብምልዓልን ብምዕራፍን ዝፅወት እዩ።

ዝተማላኸዐ በትሪ (ብርብር) እውን ኣካል እቲ ፀወታ እዩ።በትሪ ብርብር ብማዕረ ብምሓዝ ዝፅወት እውን እዩ። እዞም ኣባትር (ብርብር) እውን ኣካል ድምቀት ፀወታ ሁራ ሰለስተ እዩም። ኣለዓዕላን ኣተዓራርፋን እግሪን በትሪ ብርብርን ፀወታ ሁራ ሰለስተ ፍትውን ምዕሩግን ፀወታ ክኸውን ዘበርክትዎ ግደ ድማ ልዑል እዩ።

     ታሪካዊ ኣመፃፅኣን ዕቤትን ሁራ ሰለስተ

ባህላውን #ሃይማኖታውን ትሕዝቶን ኣመፃፅኣን ኣለዎ።ሁራ ሰለስተ ታሪኻዊ ኣመፃፅኡ ምስ ስልጣነ #ኣኽሱም ዝተተሓሓዘ ከም ዝኾነ መዛግብቲ #ታሪኽ የቐምጡ።ኣብ ዘበነ ንጉስ #ኢዛናን #ካሌብን ካብ 4ይ-6ይ ክፍለ ዘበን ገኒኑ ይፅወት ከምዝነበረ ድርሳናት ታሪክ ይሕብሩ/በላይ፣ 1991 ፤ ግርማ፣ 1995፤ ሰለሙን፣ 2005/።

ኣብ ዘበን እዞም #ነገስታት ንናይ ንጉስ #ኣኽሱም ሰራዊት #ሃገራዊ መንፈሶም ንምሕላው #ወተሃደራዊ ሰልፊ ዘኻይድሉ #ውቑብ ባህሊ ‘ውን ነይሩ ከም መረዳእታ እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቂሶም ዘለው መረዳእታታት።

ብመሰረት #ስርዓተ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ድማ ኵሉ ጊዜ ምስ ምውዳእ #ፆመ #ነብያት ተታሓሒዙ ብምኽንያት በዓል #ልደት ፤ #ውልደት መድሓኒና እየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘሎ ናይ #ታሕጓስን #ብስራትን እዋን ክበዓል ምክኣሉ #ሁራ #ሰለስተ #ሃይማኖታዊ መሰረትን መበገሲን ኣለዎ።

ሁራ ሰለስተ ኣብ #ማእኸላይ ዘበን ዝነበሩ ግዚያት ውሱን ለውጥታት ኣርኢዩ፣ ባህላዊ ትሕዝትኡ ዓቂቡ፣ #ብዓለማዊነትን ምስፍሕፋሕ ዘበናዊነትን እንከይተፀለወ ቦኳር #ትውፊታዊ ትልሂቱ ሓልዩ ፀኒሑ እዩ።

ንኣብነት፦ ኣብ 17 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ #ህዝቢ ትግራይ /1967-1983/ ኣብ ዲማ ማርዋ፣ ዓሳጋራን፣ ካዳሓራን፣ ጋዘት፣ ዝባን ሓረሳው፣ ዒንደለት፣ ቃለኣሚን ወዘተ.መዓለሚ ወተሃደራዊ ሰልፊ ኮይኑ የገልግል ነይሩ። ብፍላይ 1980ታት ኣብ #ዒንደለት ታዕሊም ኮማንዶ ምስተጀመረ ቅድሚ ስፖርታዊ ምንቅስቃስ #ሁራ ሰለስተ ከም #ሰውነት መማወቂ ኮይኑ የገልግል ኔሩ።

ኣብ ዓመታዊ በዓል 11 ለካቲት ‘ውን ሁራ ሰለስተ ፊተውራሪ ባህሊ ኰይኑ የገልግል ኔሩ። ሓዚ እውን ይቅፅል ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ኣብ እዋን መርዓ እውን ሁራ ሰለስተ ድምቀት እቲ ስነ ስርዓት እዩ። መርዓትን መርዓውን ክኣቱውን ክወፁን እንተለው ንክብሮም ተባሂሉ ብፍሉይ ሁራ ሰለስተ ይርገፅ። ኣብ ዓፂድ እንተኾነ ‘ውን ከምቲ ኣብ “ዋሊቦ”ዝብል ደርፊ ዘሎ ናእዳን ምውዳስ ምህርትን ሁራ ሰለስተ ይፅወት። እዚ ዘረደኣና ሁራ ሰለስተ ኣብ ኩሉም ዋኒናት ህዝቢና ከም መሳለጢ ስራሕቱ ከምዝጥቀመሉ እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ሁራ ሰለስተ ዓርሱ ክኢሉ ብመልክዕ ሙዚቃ ምውፃእ ጀሚሩ ኣሎ ።ከም እኒ ንጉሰ ኣባዲ ፣ሃይላይ መለስ፣ ተስፋኣለም ገብረ ስላሴ፣ ሰለሙን ይኹኖ ኣምላክ፣ፀጋይ ነጋ፣ ኢፍሬም ገብረመስቀል፣ ብርሃነ ገብረኣብ፣ ሃፍቶም ሙዑዝ ፣ኪሮስ ግርማይ ወዘተ ከየንቲ ተጋሩን ብሙዚቃዊ ጥበብ ኣቢሎም ናብ መላእ ዓለም ተበፃሒ ክኸውን ይገብሩ ኣለዉ።

 ቅዲ ፀወታን በዝሒ ተፃወትቲን ሁራ ሰለስተ

ኣብ ሁራ ሰለስተ በዝሒ ሳዕሳዕቲ በቲ ጉዳይ ወይ ፅንብል እዩ ዝውሰን።
ይኹን ደኣ’እምበር ውሕዳት ሁራ ረገፅቲ ኮኑ ሁራ ተፃወቲ እቲ ፀወታ ኣየድምቅዎን ።ስለዝኾነ ድማ ሁራ ረገፅቲ ኮኑ ሁራ ተፃወቲ ቡዙሕት ክኾኑ ይምረፅ። በዝሒ ድምቀት እቲ ፀወታ እዩ።

ንኣብነት ኣብ መርዓ እንተሪኢና ካብ 9 ክሳብ 12 ክኾኑ ትፅቢት ይግባር ። ምስ መኣዲ ጥሕሎ እውን ምትእስሳር ሰለዘለዎ ኣብ ሓደ መኣዲ ጥሕሎ ካብ 9 ክሳብ 12 ሰባት እዩ ዝግበር ኣብ መርዓ።
ኣብ ሃይማኖታዊን ህዝባዊን በዓላት ድማ ከከም በዓሉን በዝሒ ተመልካቲን ቁፅሪ ተፃወቲ ይውሰን ።

 ደርፊታትን ግጥሚታትን ሁራ ሰለስተ

ደርፊታትን ግጥሚታትን ሁራ ሰለስተ ከምቲ ካሊእ ፀወታን ቋንቋን ትግሪኛ ናይ ባዕሉ ሕጊን ስርዓትን ኣለዎ። ከከም እዋኑ ድማ ዝተፋላለዩ ደርፊታትን ግጥሚታትን ይወፁ። እዞም ደርፊታት ተፃወቲ እንዳተቀባበሉ ወይድማ መንጉሕን ተቀባሊን ብምኳን እዮም ዝደርፍዎም። ናይ ባዕሎም ቅዲን ቅላፀን ድማ ኣለዎም።

ኣብ መርዓ፣ ዓፂድ ፣ ሃይማኖታዊን መንግስታዊን በዓላት ዝተፋላለዩን ምስ ዓይነት እቲ በዓልን ወቕቲን እዮም ዝድረፉን ዝግጠሙን።

   መሳርሒታት ሙዚቃ ሁራ ሰለስተ

ፀወታ ሁራ ሰለስተ ዝጥቀመሎም መሳርሒታት ሙዚቃ ባህላዊ መሳርሒታት እዮም። ዛጊድ ዘመናዊ መሳርሒ ምጥቃም ኣይጀመረን ።
እቶም ዝጥቀመሎም መሳርሒታት ሙዚቃ እውን ከበሮ፣ ጭራ፣ሻምባቆ፣ክራር ፣ታቱላን ጣቅዒትን እዮም።

 ፀወታ ሁራ ሰለስተን በትሪ ብርብርን

በቢዓመቱ በዓል ልደት እንትኽበር ቀዲሙ ዝሕሰብ በትሪ ብርብር እዩ ። በትሪ ብርብር ቀደም ካብ ፅሕዲ ዝስራሕ ኮይኑ ብጣዕሚ ቀጥ ዝበለ ምልምል ተኣሊሹ ይስራሕ።እቲ ምልምል ሳይዳ/ፅሕዲ / ብማዕረ ልክዒት ብምቁራፅ ብማዕረ ልክዒት ብምክርካር ፍርቁ ዝተመለጠ ፍርቁ ዘይተመለጠ ብምግባር ናብ ሓዊ ክኣቱ ይግበር።ፃዕዳን ፀሊምን ኮይኑ ድማ ይወፅእ።

ሃይማኖታዊ ትርጉሙ ድማ ን5500 ዓመት ኣዳም ብዝበደሎ ዝኣበሰን ዘይኣበሰን ኣብ ሓጥያት ወዲቁ ዝብል እዩ። ሐዚ ፈጣሪኦም ተወሊዱ ከድሕኖም ስለዝመፀ ድማ ብፀወታ ሁራ ሰለስተ ብስራቶም ዝገልፅሉ እዩ።
ልደት ድማ መግለፂ ሓጎስን ብስራትን እዩ ብምባል ብፀወታ ሁራ ሰለስተ የማዕርግዎ። ንፈጣሪኦም እውን የመስግኑ።
ኣብዚ ሰዓት ዝድረፉን ዝግጠሙን ቡዙሓት እዮም።

 በዓል ልደትን ሁራ ሰለስተን

በዓል ልደት ኣብ ከባቢታት ኣፅቢ፣ወንበርታ፣ ክልተ ኣውላዕሎን ሳዕሲዕ ፃዕዳ እንባን ብፀወታ ሁራ ሰለስተ ማዕሪጎም ካብ ዝኽበሩ በዓላት ብቀዳምነት ይስራዕ።
ደቂ ልደት ብርብሮም ሒዞም ናብ ሜዳ ብምውራድ ምስ ተኣኻኸቡ ድማ ናብ ቀረባኦም ዘሎ ቤተክርስትያን ብምኻድ ንፈጣሪኦም የመስግኑን የወድሱን።

ኣብ በሪ ቤተክርስትያን እንትበፅሑ ነብሲ ወከፍ ወዲ ልደት ካብ ጫፍ እቲ ብርብር ብምቁራፅ ናብ ቤተክርስትያን ይድብሪ።
ነብሲ ወከፍ ወዲ ልደት ካብ ሁራ ሰለስተ ብዝተፈለየ ሁራ ክልተ ኣእጋሮም እናመሳቀሉ ካብቲ ዝተኣከብሉ ናብ ቤተክርስትያን ይኸዱ።
ካብ ቤተክርስትያን እንትምለሱ ድማ ብሁራ ሰለስተ ይምልሱ።

ሁራ ክልተ ን5500 ዓመታት ተኣሲርና ኔርና ዝብል መልእክቲ ኣለዎ።
ሁራ ሰለስተ ምርጋፅ ድማ ተወሊድካ ካብ እስራት ኣድሒንካና ዝብል ትርጉም ኣለዎ።
ሳላኻ ሓዘና ናብ ደስታ ተቀይሩ ዝብል እውን እዩ።

ዓበይቲ ዓዲ ድማ ኣብ መወዳእታ ንደቂ ልደት መሪቆም ቀፃሊ ዓመት ዝበለፀ ዓመት ክኾነሎም ተመኒዮም ንደቂ ልደት መሪቆም ናብቲ መኣከቢ ሜዳ ይወርዱ።
ስነ ስርዓት በዓል ልደት ድማ ኣብቲ ሜዳ
ብዝተፋላለዩ ምድላዋት ይዛዘም ።

ፍልፍል _ከይዲ ስራሕ ባህሊን ቱሪዙምን ከተማ ኣፅቢ እንዳስላሰ

ብሰለሙን _በርሀ