Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ሌላ ምስ ታሪኻዊ ኣመፃፅኣ በዓል መስቀል

ሌላ ምስ ታሪኻዊ ኣመፃፅኣ በዓል መስቀል

261

መቐለ፥ 16 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

በዓል መስቀል ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ ኣደባባይ ካብ ተኽብሮም በዓላት ሓደ እዩ። መስከረም 17 ድማ በቢዓመቱ ይኽበር። ታሪኻዊ ኣመፃፅኣ እዚ በዓል ከምዚ ዝስዕብ ኣሕፂርና ክነቕርቦ ኢና።

ብ326 ዓ.ም ቅድስት እሌኒ (St. Helena) ኣዶ ንጉሥ ቆስጠንጢኖስ ናብ ኢየሩሳሌም ከይዳ ንመስቀል ኢየሱስ ክርስቶስ ክተውፅኦ መፅብዓ ከም ዝነበራን ናብ ኢየሩሳሌም ከይዳ ንዓበይቲ ዓዲ ሓቲታ ከም ዝረኸበቶን ዕለት 16 መስከረም ዝንበብ መፅሓፍ ስንክሳር ይሕብር።

ንጉሥ ቆስጠንጢኖስ ካብ 324 ክሳዕ 337 ዓ.ም ገዛኢ መንግስቲ ሮምን ክርስትና ዝተቐበለ ፈላማይ ሮማዊ ንጉሥን ከም ዝነበረ ብሪታኒካ (britannica) ኣብ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ዝረኸብናዮ ፅሑፍ የመላኽት።

ነገር ግን ቅድስት እሌኒ ነቲ መስቀል ዝረኸበትሉ ከይዲ ንምርዳእ፣ ካብ ድርሰታት ቅዱስ ያሬድ ሓደ ናብ ዝኾነ መፅሓፍ ድጓ [ድጕዓ] ኸይድና ክንርኢ ንግደድ።

ኣብዚ ፅሑፍ እዚ ብዛዕባ መስቀል ክንፅሕፍ እንተለና፣ ጲላጦስ ዝተብሃለ ሮማዊ ገዛኢ ይሁዳ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ብጥርዓንን ኽሲን ኣይሁድ ብስልጣንን ፍቓድን ሮማዊያን ኣብ ጎልጎታ ብዛዕባ ዝተሰቐለሉ መስቀል ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። እዚ ድማ ኣርባዕቲኦም ወንጌላዊያን (ማቴዎስ፣ ማርቆስ፣ ሉቃስን ዮሐንስን) ኣብ ዝፀሓፉዎም መፃሕፍቲ ወንጌል ነጊሮምና እዮም።

ቅድስት እሌኒ እቲ መስቀል ዝተደፈነሉ ቦታ ክትረክብ ድልያ ምስ ጀመረት፣ ታሪኽ ዝፈልጡ ኪራኮስን ኣሚኖስን ዝተብሃሉ ኽልተ ሽማግለታት ኣይሁድ ረኺባ ከም ዝሓተተቶም ቅዱስ ያሬድ ከምዚ ዝስዕብ ይገልፆ።

“ትቤሎሙ እሌኒ ለኪራኮስ ወለኣሚኖስ ንግሩኒ ኀበ ሀሎ መስቀሉ ለወልድ ዋሕድ ኀሠሠት ወተረክበ ዕፀ መስቀል ኀበ ደፈኑ አይሁድ መስቀሎ በቀራንዮ ዘስሙ መካን።

እሌኒ ንኪራኮስን ኣሚኖስን መስቀል ወልድ ዋሕድ ዘለዎ ቦታ ንገሩኒ በለቶም፤ ኣይሁድ ኣብ ዝደፈኑዎ ቀራንዮ ኣብ ዝበሃል ቦታ ኣለሸት፤ እቲ መስቀል ድማ ተረኽበ።” (ድጓ ዘመስቀል)

እቲ መስቀል ዝተደፈነሉ ቦታ ከባቢኡ እምበር ብትኽክል ዘለዎ ቦታ ኣይተፈልጠን ነበረ። ብድሕሪኡ እቲ ኪራኮስ ዝተብሃለ ሽማግለ ዕንፀይቲ ኣኪባ ብምፅፍፃፍ ኣብ ልዕሊኡ ዕጣን ኣፍሲሳ ብሓዊ ክተንድዶ እሞ ትኪ ናይቲ ዕጣን ናብ ላዕሊ ወፂኡ ንታሕቲ ክምለስ እንተሎ ዝህባ ኣንፈት ርእያ ክተዅዕቶ ከም ዝነገራ ቅዱስ ያሬድ ኣብ መፅሓፍ ድጓኡ [ድጕዓኡ] ቐፂሉ ብዘሎ ፅሑፍ የመላኽት።

“አረጋዊ አንግሀ ገዪሠ ብእሲ ዘስሙ ኪራኮስ ዘዕጣን ኣንፀረ ሰገደ ጢስ በጎልጎታ ዘደፈኑ ኣይሁድ ዮም ተረክበ ዕፀ መስቀል።

ኪራኮስ ዝተብሃለ ኣረጋዊ ሰብ ኣንጊሁ ገስገሰ፤ ትኪ ናይቲ ዕጣን ሰጊዱ ኣይሁድ ኣብ ጎልጎታ ዝደፈኑሉ ቦታ ኣመላኸተ፤ ሎሚ ዕፀ መስቀል ተረኽበ።” (ድጓ ዘመስቀል)

ካብዚ ዝተልዓለ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፣ ዕለት 17 መስከረም፣ ዕንፀይቲ ኣኪባ ብሓዊ ብምንዳድ መስቀል ዝተረኸበሉ በዓል ብዝተፈላለዩ ምስጋናታትን ትምህርቲታትን ኣሰንያ ተብዕል።

ስለዚ ቅድስት እሌኒ ዕለት 16 መስከረም በቲ ኣብ ላዕሊ ዝረአናዮ መንገዲ፣ እቲ መስቀል ንዓመታት ዝተደፈነሉ ቦታ ዘነፀረትሉ ዕለት እንትኸውን፣ ዕለት 17 መስከረም ድማ ዃዕቲ ዘጀመረትሉ ዕለት ከም ዝኾነ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ይሕብሩ።

ዕለት 17 መስከረም ዝተጀመረ ዃዕቲ 10 መጋቢት ከም ዝተዛዘመን እቲ መስቀል ሽዑ ከም ዝወፅአን እውን ይሕብሩ።

ቶማስ_ሓዱሽ