Home ዜና ሌላ­­­ ምስ ኣያናቕላ ( ሃውከ ሃውከ)

ሌላ­­­ ምስ ኣያናቕላ ( ሃውከ ሃውከ)

378

ሃውከ ሃውከ ወይድማ ኣያናቕላ ኣብ መብዛሕቲኦም ከባቢታት ትግራይ ካብ ሰሙነ ሕማማት ጀሚሩ ምድላው እናተገበረሉ ዝፀንሕን ዳግማይ ትንሳኤ ዝዛዘምን ሃይማኖታውን ባህላዊን በዓል እዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ሰነ ዝፅወት ምዃኑ አውን ይትባረክ ግደይ ሽምብሮት ኣብ ዝብል መፅሓፉ ኣስፊሩዎ ይርከብ።

ኣያናቕላ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ትግራይ ውን ኣብ ቕነ በዓል ልደት እዩ ዝካየድ።

ኣብ ተንቤን ሃውከ ሃውከ ፣ ኣብ እንደርታን ዓጋመን ኣያናቕላ፣ትሃብኪ፣ ኣብ ከባቢ ሰሓርቲ ሳምረ ድማ ኒቕኒቕላ እናተብሃለ ዝፅዋዕ እንትኾን ስርዓት ኣፀዋውትኡ፣ ዝፍፀመሉ ግዘን ዝጥቀመሉ ናውትን እውን ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ይፈላለ።

ደቂ ተባዕትዮ ሓቢሮም ድግስ ዝገብሩሉ እዋን ሓደ ሰሙን እንትተርፎ ንኹሉ ኣብ ዘስምዑ በረኽቲ ቦታታት ኾይኖም ዓው ኢሎም ” ኣውካዓየ ፣ኣውክዓየ……”
ይብሉ ንደቂ ኣንስትዮ” እኽለማይ ኣዳልዋ” ንምባል እዩ። እዚ ዝሰምዓ ደቂ ኣንስትዮ ድማ መፅበዐአን እናዳለዋ ይቕንያ።

ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቕነ ሕማማት ሃውከ ዝብሉሉ በትሪ ማለት ሃውከሃውከ ወይ ኣያናቕላ የዳልው።

እቲ በትሪ ቖርበቶም ንምምላጥ ምችዋት ካብ ዝኾኑ ከም ክራዊሕ፣ሻግላን ካልኦትን ዝበሉ ኣእዋም ዝስራሕ እንትኾን ጥውይዋይ ብርኪ ብርኪ ገዲፎም ነታ በትሪ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ይመልጡዋ ።

ኣብ ሓዊ ብምብሳል ድማ እቲ ከይመለጡ ዝገደፉዎ ቖርበት በትሪ እንትቐልጡዎ ፃዕዳ ሕብሪ፣ እቲ ቕድሚ ናብ ሓዊ ምእታው ዝመለጡዎ ድማ ፀሊም ሕብሪ ሒዙ እቲ በትሪ ሽሉም ፃዕዳን ፀሊምን ሕብሪ ዘለዎ ይኾን።

ዓርቢ ሰቕለት ምሸት ናብ ቀዳም ዘውግሕ ደቂተባዕትዮ መናእሰይን ሰገናትን ተኣኻኺቦም ገዛንገዛ እናዞሩ በቶም ሽሉማት ኣብትርቶም መሬት እናጠብጠቡ ሃውከ ወይ ኣያናቕላ ይብሉ።

ኣያናቕላ ዓርቢ ሰቕለት ለይቲ ዝካየደሉ ሃይማኖታዊ ትርጉም ንእየሱስ ክርስቶስ ዝሰቐለ ሸይጣን በቲ ሽሉም በትሪ ንምቕጥቓጥ ዝብል ትርጉም ይወሃቦ።

መናእሰይን ሰገናትን ሃውከ ሃውከማ ሃውከ
እነየ ንእሽቲ ክሳደን ኽስኽስቲ
እነየ ዓባየ ኽሳደን ጥዋየ

ኣብታ ፃሕሊ ለላ ልኸልቢ ትብላ
ኣብታ ጎፍላ ለላ ነኣና ትብላ

ኣብ እግሪ ዒጋማት መሊአን ሓያማት
ኣብ እግሪ ሰራዋት መሊአን ሰያባት
ኣብ እግሪ ጨዓዑ መሊአን መርዑ

በዓል ጎባይ ነዊት
በዓል ለምለም ሸዊት
ልዓመታ ወዲ ምሳና ልቑንዲ
ልዓመታ ጓልየ ምሳና ጎልጓልየ
( ብዜማ)
“ወድኹም ልሓረሶ (ዝፈልጡዎ ሽም ወዶም ብምፅዋዕ) መሊኡ ይፍሰስ፣ ሰንዳይ ስገም ይምላእ ኣሜን “

ኣብቲ ገዛ ጥንስቲ እንተልያ “ጥንስቲ ተኣማኒት ሕብሽቲ”ሓራስ እንተልያ ድማ “ሓራሶ ኽምስማሶ” ኢሎም ይኸዱ ድግስ ኣብ ዝገብሩሉ እዋን ሕብሽቲ ማለት ጋጉባ ንክህበኦም ንምግላፅ።

ከምዚ እናበሉ ኣብ ኩሎም ገዛውቲ ምስ ወድኡ ኣብ ፋቶ ላልሸ ይፃወቱ።

ፀወታ ላልሸ ድምብልብሎ እምኒ ናብ ሓዊ ኣእቲዮም ቀዲሙ ካብቲ ሓዊ ኣልዒሉ ዝድብርን ነታ ዒባ ከፍቲ ዝተጣሰመት ዝረሰነት እምኒ ተደርብያ ኣብ ዝዓረፈቶ ብፀልማት ብዓይኑ ከይረኣየ ብጨና ዝረክብን ተሻኹቶም ይፈልዩ።

ዝሰዓረ ብዱን ኣብልዕሊ እቲ ዝተስዓረ ተሓዚሉ….
ካብ ዝሰዓረ ብድን ሓደሰብ ላልሸ … ላልሸ …ላልሸ
እንደርታ ተኩሰ፣ሃገረ ሰላም ተኩሰ፣
ሐሰሓርቲ ተኩሰ ፣ሕንጣሎ ተኩሰ….
እናበለ ስም ዓድታት ብምፅዋዕ ላልሸ ይብል እሞ
እንተደኺሙዎ “እሕሕ ማይ ክሰቲ” ብምባል ንእሽተን የዐርፍ። ዝፅወዖም ዓድታት እንተደጊሙ ድማ ተሳዒርኻ ተባሂሉ ይወርድ።

ከምዚ እናበሉ ምስተፃወቱ ኣብዚ ፀወታ ክሳብ መወዳእታ ዝሰዓረ ድማ ቐፃሊ ናይ ዝገብርዎም ንጥፈታት መራሒ ኾይኑ የተሓባብር።

ኣብ በዓላት ፋሽጋ ደቂ ተባዕትዮ መናእሰይን ሰገናትን ገንዘብ ኣዋፂኦም ጠሊ ወይ በጊዕ ብምሕራድ እንጀራን ኣስቤዛን ካብ ገዛውቲ ኣኪቦም ስራሕ መቐሎ ብምግባር ፀብሒ ባዕሎም ሰሪሖም ብሓባር እናተመገቡ ይቕንዩ ።

ጥንስቲ ወይ ሓራስ እንተልያ ሓደ ሕብሽቲ ወይ ጋጉባ ትህብ ሕብሽቲ እንተዘይሃልዩዋ ድማ 5 እንጀራ(ጣይታ) ክትህብ ትኽእል እያ።

ጥንስቲ ኣይኾንኹን ዝበለቶም እንተተጠራጢሮምዋ በትሪ ሃውከሃውከ( ኣያናቕላ) ተሻገሪ ይብሉዋ እሞ ዘይብላ ምዃና ርግፀኛ እንተኾይና ትሻገር ።ጥንሲ እናሃለዋ እንተተሻጊራ እቲ ጥንሲ ኣይኾነላን ተባሂሉ ይእመን።

ጥንስቲ ምዃና ኣሚኖም ሕብሽቲ ኣይህብን ዝበለቶም ግና ቃሬዛ ገይሮም ዝሞተ ሰብ ኣምሲሎም ቤተሰባ ናብ ዘለውዎ ከይዶም “እከለሞይታ ኣቃብሩና ” እናበሉ የእውዩ በዚ ኣደናጊፆም ድማ ሞራላዊ ቕፅዓት ይቐፅዑዋ።

ደቂ ኣያናቕላ ፀሪፎምኒ ኢልኻ ምቅያም ወይ ምኽሳስ የለን ኩሉ ማሕበረሰብ ከም ሕጊ ዝተቐበሎ ባህሊ ሰለ ዝኾነ።

ደቂ ኣያናቕላ ብሓባር እናተመገቡ ዝተፈላለዩ ፀወታታት እናተፃወቱን ዘሕልፉዎ ግዘ ፍቕሮምን ሓድነቶምን ዘጠናኽሩሉ እዩ።

እዚ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፈ ዝመፀ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓል ደቂ ተባዕትዮ ምስ ምቅይያር ናብራ ደቂ ሰባት ታሓሒዙ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ድምቀቱ እናነከየ ይኸይድ ምህላው መናእሰይን ወለድን ይገልፁ።

እዚ ማሕበረሰባዊ ቅቡልነት ዘለዎ ባህሊ ብኣግባቡ ክፅናዕ፣ ተሰኒዱ ናብ ውሉድ ወለዶ ናይ ምትሕልላፍ ከይዱ ክቕፅልን ይግባእ።

#ብኪሮስ መሓሪ