Home ዜና ሌላ ምስ ገዳም  ስላሴ ጨለቖት

ሌላ ምስ ገዳም  ስላሴ ጨለቖት

355

ገዳም እንዳ ስላሴ ጨለቖት ካብ ከተማ መቐለ ንኣንፈት ደቡብ  ምብራቕ 17 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ጨለቖት ይርከብ። ኣብ መፋስስ ሩባ ጨለቖት ዝርከብ እዚ ገዳም ብኣእዋምን  ኣትክልትን ዝሃፍተመ እዩ።ዓመት ሙሉእ ዘየቋርፅ ማይ እውን አለዎ። ፀጋታት እዚ ገዳም ብምዕቃብ፣ብምልማዕን ብምፍላጥን ድማ ንመስሕብነት ቱሪዝም ክውዕሉ ዝኽእሉ ሓድጊታት ዝሓቖፈ ገዳም እዩ።

ቅድመ ታሪክ ስላሴ ጨለቆት

ኣብ መበል 13 ክፍለ ዘበን ግማደ መስቀል ካብ እየሩሳሌም ናብ ግሸን እንትሓልፍ ኣብ ጨለቖት እንዳየሱስ ይበሃል ኣብ ዝነበረ ሐዚ ዘየለ ቤተክርስትያን ዓሪፉ ከም ዝነበረ ይዝረብ።በዚ ድማ ቤተ-መስቀል ይበሃል ምንባሩ እውን ኣፈ ታሪክ ይሕብር።

  እንደርታን ከባቢኣን  የመሓድሩ ምስ  ዝነበሩ ደጃት ኣስመሮም ንምምስራት እቲ ገዳም ምትእስሳር ከምዘለዎ ኣብ ጨለቆት ሰፊሕ መፅናዕቲ  ዘካየዱ

 ሙሁር ታሪክ ከበደ ኣማረ ይገልፁ።

ኣመሰራርታ ገዳም ስላሴ ጨለቖት

ገዳም ስላሴ ጨለቖት ኣብ መወዳእታ 18 ክፍለ ዘበን ከም ዝተመስረተ ሙሁራንን ኣመሓደርቲ እቲ ገዳምን ይሕብሩ።ኣብቲ እዋን ኣማሓዳሪ ሰሜን ኢትዮጵያ  ብዝነበሩ ራእሲ ወለስላሴ  ከምዝተሃነፀ እውን ማህደራት ታሪክ ይሕብሩ።ኣሰያይማ “ጨለቖት” እንትንርኢ እውን ራእሲ ወለስላሴ ምዕሩግ ገዛ ምስ ረኣዩን እቲ ምዑሩግ ገዛ ካብ ሓደ ዓይነት ውቁብ ኦም ዝተሰርሑ መዓፁን መሳኹትን ኣግሪሞምሎም ” ።እዚ ኦም እንታይ ይበሃል?” ኢሎም ምስ ሓተቱ  ኣብኡ ካብ ዝነበሩ ሓደ ሰብ “እዚ ተክሊ/ኦም ‘ቆት’ ይበሃል” ኢሉዎም። ራእሲ ወልደስላሰ ድማ “ጨለ ቆት” ኢሎም 

(ፅቡቕ ቆት) ንምባልን ከምዝተጠቀምሉን ኣገልገልቲን ዓበይቲ ዓድን እቲ ገዳም ሓቢሮም።

ካብዚ ንደሓር ድማ እንዳ መስቀል እናተብሃለ ዝፀንሐ እቲ ዓዲ ጨለቖት ዝብል ስያመ ሒዙ ቐፂሉ።”ደብረ ተድላ” ዝብል ስያመ  ከም ዝነበሮ ዝገልፁ ድማ ሓደ ገበን ዝፈፀመ ውልቀሰብ ክቕፃዕ ምስ ተብሃለ “ኣጥፊአ እየ መሓሩኒ” ምስ በለ ምሕረት ተገይሩሉ።በዚ ድማ እቲ ገዳም “ደብረ-ምህረት”ከም ዝተብሃለ የረድኡ ዓበይቲ ዓዲ ጨለቆት።

 ከይዲ ህንፀት ቤተክርስትያን  ስላሴ  ጨለቖት

ራእሲ ወለሰለሴ ህዝቢ እንደርታ ብምእካብ ኖራን ጨውን ን 6 ወርሒ ኣቡኪዖም ህዝቢ  ፅሕዲ ካብ ዴስኣ ከምፅእ ብምግባርን  ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣእዋምን ካልኦት ኣድለይቲ እታወታትን  ብምጥቃም ብዙሓት ጥበበኛታት ኢዶም ዝሓወሱሉ ቤተክርስትያን ከም ዝተሃነፀ ይንገር።ብ22 መዘምራን ፣30 ኣቕሽቲን 20 ዲያቆናትን ብጠቕላላ ብ 72 ኣገልገልቲ ገዳም ንክኾን ተገይሩ።ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን 8 ኣገልገልቲ ብምውሳኽ ብ 80 ማሕበር ክግልገል ምኽኣሉ ሙሁር ታሪክ  ከበደ ኣማረ ገሊፆም።

ብዘይተለመደ ዲዛይን ክቢ ቕርፂ ሒዙ  ክህነፅ ዝተገበረ እቲ ቤተክርስትያን መሳኹቱን  መዓፁኡን ብዝተፈላለዩ ቅርፅታት ሙሉእ ብሙሉእ ብነዋሕቲ ጣውላታት ተሰሪሖም ።ልዕሊ 230 ዓመታት ፀኒሖም ሓዚ እውን ኣለው።ጥበብ ቀዳሞት ወለዲ ክንደይ ናይ ምዕቡል ምንባሩ ገዳም ስላሴ ጨለቅት  ምስክር እዩ።ሰሚንቶን ካልኦት ናውቲ ህንፃን ኣብ ዘይነበሮ ከይተበላሸወን ከይተበልዐን ክሳብ ሓዚ ዘሎ ስርሒት ስነ ህንፃ እቲ ገዳም ነዚ ወለዶ ዓብይ ትምህርቲን ተመክሮን እዩ።

 ሓድግታት ገዳም እንዳስላሴ ጨለቖት

ተሰሪቑ ነይሩ ድሕሪ 25 ዓመት ካብ  ኔዘርላንድ ዝተመለሰ ሓዊሱ ካብ ወርቅን ብርን ዝተሰርሑ ዘውድታት፣ መሳቅል ፣ ጥንታውያን መፅፃፍቲ ፣ስእልታት፣ ቅርፃ ቕርፂ፣ ኣልባሳት ፣መቓብራትን  ካልኦት ዓይኒ ሃወፅቲ ዝማርኹ ቅርስታትን ኣለው።

 ኣሰራርሐኦም ድማ ታሪክን ሰናይ ምግባርን ወለዲ ዘንፀባርቕ ብምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ።

ህሉው ኩነታት እቲ ገዳም

ምስ ሰራዊት ጣልያን ኣብ ዝተገበሩ ክልተ ውግኣት ገዳም ስላሴ ጨለቆት ዕንወት ከምዝበፅሖ ማህደር ታሪክ እቲ ገዳም ይሕብር።

እቲ ገዳም ቅድሚኡ ካብ ዝነበሮ ትሕዝቶን ተፈላጥነትን ከም ዝነከየ ሙሁራትን መራሕቲ ሃይማኖትን ይዛረቡ።ማእኸል ንዋየ ቅድሳንን ትምህርትን ዝነበረ እዚ ገዳም ሎሚ እቶም ንዋየ ቅድሳን ዝስርሑሉ ማእኸል የለን ፣ይወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ውን እናተዳኸመ ከይዱ።ብሓፈሻ ስራሕቲ ጥበብ እቲ ገዳም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይንክዩ እዮም ዘለው።

ክቡር ዋጋ ዘለዎም ስእልታትን ቅብእታትን ኣብ ሓደጋ እዮም ብሰብሞያ ፅገና የድልዮም።

ቅድሚ ውሱናት ዓመታት ኣብ መዓልቲ 3 ጉጅለታት ሃወፅቲ ናብቲ ገዳም ይመፁ ነይሮም ይብሉ  ኣገልገልቲ እቲ ገዳም። መሰረተ ልምዓታት መንገዲ፣ስልኪ ፣ኢንተርኔትን መብራህትን ብዘይምህናፆምን እቲ ገዳም ብኣግባቡ ብዘይምፍላጡን ካብኡ ክርከብ ዝግባእ እቶት እናተረኸበ ኣይኮነን ነበርትን መራሕቲ ሃይማኖትን ከም ዝብሉዎ።

እዞም ሓድጊታት ተዓቂቦም ናብ ውሉዶ ወለዶ ክመሓላለፉን እቶት ንከርክቡን ክሕግዝ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ዘበናዊ ሙዜም እኳ ኣብቲ ገዳም እንተሃለወ ስርሑ ብኣግባቡ ኣይጀመረን።

ገዳም ደብረምህረት ስላሴ ጨለቖት ኣብ ዙርዩኡ  ብዙሓት ኣድባራት ዘለውዎ ጥንታዊ ገዳም እዩ ።ዓመታዊ ክብረ በዓሉ 7 ጥሪ  ይኽበር።

እዚ ገደም መስሕብ በፃሕቲ ንምግባር ድማ ዝምልከቶም ኣካላት ኩሎም ክሰርሑ  ይግባእ መልእኽትና እዩ።

#ብኪሮስ_መሓሪ