መቐለ፥ 19 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
እቲ ቦታ ፃምእ ነፍስኻ ብዘርዊ ንፁህ ኣየር ዝተመልአ፣ ሃረርታ ዓይንኻ ብዝዕንግሉ ውቁባት መልክዓ ምድሪ ዝማዕረገ እዩ። ዳዕሮ፣ ቖልቋልን ቅንጭብን ዘማዕረግዎ ፍሉይ ባህታ ዝፈጥረልካ ጥንታዊ ገዳም!
ገዳም ገብርኤል ወቕየን
ኣብ ማእኸላይ ዞባ ወረዳ ቐይሕ ተኽሊ ፍሉይ ስሙ ወቕየን ኣብ ዝበሃል ቦታ ይርከብ። ኣብ እግሪ ዓቢይ እምባ ንእሽተይ ሕዅር ኢሉ ካብ ከውሒ ተፈልፊሉ ዝተሰርሐ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ስም እቲ እምባ “ደብረ ዓሳ” እንትኾን፣ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብተለምዶ “ድብርዓንሳ፣ ድርዓንሳ፣ ደብረዓንሳ” ኢሎም ይፅውዕዎ። ካብ ከተማ ወርቃምባ ንኣንፈት ምዕራብ ኣስታት 5 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ይርከብ።
ከምቶም ኣብ መብዛሕቲኡ ከባቢታት ትግራይ ዘለዉ ውቑራት ኣብያተ ክርስቲያን፣ ብዘደምም ጥበብ ካብ ከውሒ ተወቒሩ ዝተሃንፀ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ ክርስቲያን ጥበብ ቀዳሞት ተጋሩ ዘንፀባርቑ ቅርፅታትን ስእልታትን ኣለዉ።
ዝተፈላለዩ ጥንታዊያን ቅዱሳት መፃሕፍቲ ብራናን ነናይ ባዕሎም ቕርፂ ዘለዎም መሳቕልን ኣብዚ ገዳም ይርከቡ። ካብተን መሳቕል እተን ክልተ ብመጠን ንእስ ዝበላ እንትኾና፣ ውሉድ ዝሰኣኑ ሰብ ሓዳር ሕፃብ ናይተን መሳቕል ወሲዶም እንተ ተሓፂቦምዎን ሰትዮምዎን ውሉድ ይረኽቡ እዮም ተባሂሉ ይእመን።
እቲ ቤተ ክርስቲያን ታቦት ቅዱስ ገብርኤልን ኣባ ዳንኤል ዝሓዘ ኾይኑ፣ ብዋናነት ዝፅዋዕ ግን ብስም ቅዱስ ገብርኤል እዩ። “እንዳ ገብርኤል ወቕየን” ድማ ይበሃል። 19 ታኅሣሥ ድማ ዓመታዊ ክብረ በዓሉ ይኽበር። ገዳም ቅዱስ ገብርኤል ወቕየን ኣብ መበል 15 ክ/ዘመን ከም ዝተመስረተ፣ ኣቦታት እቲ ገዳም ንገድለ ኣባ ዳንኤል ጠቒሶም ይገልፁ።
ኣብ ብርክት ዝበሉ ውቑራት ኣዕምዲ ዝዓረፈ ውቑር ናሕሲ እቲ ቤተ ክርስቲያን፣ ናብ ታሕቲ ኣንቈልቊሎም ብዝርእዩ ቅርፂታት ዝተሸለመ እዩ። ክቢ ቅርፂ ዘለዎም ምልክታትን ዝተፈላለየ ንድፊ ዘለዎም መሳቕልን ኣንቃዕሪርካ ዝርአዩ ሰሓብቲ ቅርፅታት እዮም። ኣብ ጥቓ ናሕሲ ቅድስተ ቅዱሳን ናብ ዘሎ ኵርናዕ ፅግዕ ኢሎም ድማ ቅርፅታት ሓወልቲ ኣኽሱም ንጎድኒ ተሰሪዖም እንትረአዩ ፍሉይ ስምዒት የሕድሩልካ።
እቲ ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተሓበረ፣ ካብ ከውሒ ተወቒሩ ዝተሃንፀ እኳ እንተ ኾነ፣ ኣብ ሞንጎ ቅኔ ማኅሌትን ቅድስትን ዝበሃሉ ክፋላት ህንፃ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ክፍተት ንምህዳም (“ዳ” ጠቢቓ ትነበብ) ተባሂሉ ብሸማጣት ኣእማን ዝተፀፍፀፈ ክፋል እውን ኣለዎ።
ካብቲ ቤተ ክርስቲያን ናብ ኣንፈት ጫፍ እቲ እምባ ኣዕቂብካ ቁሩብ ምስ ከድካ፣ ኣባ ዳንኤል ዝበሃሉ ፃድቅ ይፅልዩላ ዝነበሩ፣ ብታሕቲ ኣቲኻ ውሽጢ ውሽጢ ንላዕሊ ተውፅእ በራኽ ከውሒ ትርከብ። ካብኣ ንእሽተይ ንድሕሪት ውርድ ኢልካ ድማ እቶም ፃድቅ ንባዕሎም ዝወቐሩዎ መቓብር ይርከብ።
ገዳም ገብርኤል ወቕየን፣ በፃሕቲ ወፃኢን ውሽጢን ዓዲ በቢ ጊዜኡ እናመፅኡ ዝጉብንዩዎ ማራኺ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ደብረ ዓሳ ንገዳም ገብርኤል ወቕየን ሓዊሱ ብብዙሓት ውቑራት ኣብያተ ክርስቲያን ዝተኸበበ እምባ እዩ።