መቐለ÷ 1 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን_ትግራይ)
ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ሎሚ ባሕቲ መስከረም 2017 ዓ.ም ምስ ምክትል ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ኣብ ዙርያ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዘትዮም።
ኣብቲ ዝገበርዎ ዘተ ዘላቒ ሰላም ትግራይ ንምርግጋፅ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነትን ብቕልጡፍን ምትግባር ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ተሰማሚዖም ኢሉ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ።
እቲ ካብ ኲናት ናብ ልዝብ ዘምርሐና ውዕሊ ፕሪቶርያ ኩሉ ብሰላም ክነብር ዝደሊ ኢትዮጵያዊ ክድግፎ ይግባእ ድማ ኢሎም ኣለው።
#መለስ ኣለማት