Home ዜና ልምዓት ንህቢ ትግራይ ግዳይ ኲናት ኮይኑ እዩ- ሳውዝ ቻይና ሞርኒንግ ፖስት

ልምዓት ንህቢ ትግራይ ግዳይ ኲናት ኮይኑ እዩ- ሳውዝ ቻይና ሞርኒንግ ፖስት

285

መቐለ፥ 1 ሕዳር 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ልምዓት ንህቢ ትግራይ ኣብ ፅቡቕ ብርኪ በፂሑ ምንባሩን ብሰንኪ ኲናት ግና ከም ዝዓነወን ሳውዝ ቻይና ሞርኒንግ ፖስት ኣረጋጊፀ እየ ኢሉ።

ፃዕዳን ቀይሕን ወለላ መዓር ትግራይ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተጠላቢ ምዃኑ ዝፀብፀበ ጋዜጣ ሳውዝ ቻይና ሞርኒንግ ፖስት ፣ብዙሓት ኣብ ልምዓት ንህቢ ዝተዋፈሩን መዓር ዝነግዱን ሰባት ይርብሑሉ ነይሮም ይብል።

እዚ ሃፍቲ ብሰንኪ ኲናት ከቢድ ዕንወት ከም ዝበፅሖ ድማ ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ተጋሩ ዘለውዎ ኩነታት ብምርኣይን ብምዝርራብን ምርግጋፁ እቲ ገዜጣ ሓቢሩ።

ካብ ከተማ መቐለ ሓደ ሰዓት ተጓዒዝካ ኣብትርከብ ገጠር ን 20 ዓመት እብ ልምዓት ንህቢ ዝተዋፈረ ኣማኑኤል ሕሉፍ ዝተብሃለ ትግራዋይ “ቅድሚ ኩናት ከባቢ 40 ቆፎ ኣናህብ ከምዝነበርዎን፣ ሕዚ ግን ልምዓት ንህቢ ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ከም ዝዓነወ ሳውዝ ቻይና ሞርኒግ ፖስት ኣረጋጊፁ።

በቢ ዓመቱ 600ኪ ግ መዓር ብምርካብ ልዕሊ 900ሽሕ ብር ይሸጥ ነይረ ” ከምዝበለ እውን እቲ ጋዜጣ ይገልፅ።።

“ኲናት ኣብ ከባቢና ምስ በፅሐ ሂወትና ንምድሓን ምስ ሰድራና ገዛና፣ሃፍትናን ንብረትናን ገዲፍና ናብ ካልእ ከባቢ ከይድና ፤ድሕሪ ኣዋርሕ እንተተመለሰና ግና ኣናህብናን እንስሳትናን ኣይረኸብናን”ምባሉ እቲ ጋዜጣ ፅሒፉ።

ሐዚ እቲ ስራሕ ዋላ እንተጀመሮ ቅድሚ ኲናት ይረኽቦ ካብ ዝነበረ እቶት ብ 95 ሚኢታዊ ዝነከየ ምዃኑ ገሊፁ።

በቲ ኲናት ኩሉ እዩ ተጎዲኡ ሐዚ ውን ድምፂ ጥይት ጠፊኡ እምበር ህዝቢ ካብ በሰላ እቲ ኩናት ኣይሐወየን ክብል ኣማኑኤል ነቲ ጋዜጣ ሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ ካልኦት ኣብዚ ዓውዲ ዝተዋፈሩን መዓር ዝሸጡን ኣዘራሪቡ ልምዓት ንህቢ ትግራይ ግዳይ ኲናት ምዃኑ ከም ዘረጋገፀ እቲ ፀብፃብ ሓቢሩ።

ክሳብ 60 ሚኢታዊ ቆፎታት ኣናህብ ከም ዝዓነው ዝገለፀ ኣብ ቢሮ ሕርሻ ትግራይ ክኢላ ልምዓት ንህቢ ጉዑሽ ወልደኣበዝጊ ፣ቅድሚ ኩናት ኣብ ትግራይ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዕሰለ ኣናህብ ከም ዝነበሩን ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት መነባብርኦም ብቀጥታ ምስ ልምዓት ንህቢ ዝተኣሳሰረ ምንባሩን ገሊፆም ይብል እቲ ጋዜጣ።

ኣብቲ ኲናት ብቀጥታ ኣብ ኣናህብ ዝበፅሐ ዕንወት ጥራሕ ከይኾነስ ኣናህብ ዝምገብዎም ዕምባታት ኩናት ስዒቡ ብዝተፈጠረ ቅልውላው ምብራሶምን ሰነ -ምህዳር ከባቢ በቲ ኲናት ዝበፅሖ ብኽለትን ቀፀልቲ ሰግኣታት ምዃኖም ሓቢሮም ከምፀብፃብ እቲ ጋዜጣ።

ብኪሮስ መሓሪ