Home ዜና ልክዕ ከምዛ ሎምዓንቲ ብሓባር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ሰለስተ መቓልስቲን ነባራት መራሕትን ትግራይ!

ልክዕ ከምዛ ሎምዓንቲ ብሓባር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ሰለስተ መቓልስቲን ነባራት መራሕትን ትግራይ!

1130

መቐለ፥ 05 ጥሪ 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ብቐረባ ዝፈልጥዎም ሰባት፥ ዉሩያት ሃንደስቲን ቀለስትን ፖለቲካ ብዝብል ይፅዉዕዎም።

ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ  ብቐዳምነት ካብ ዝፅዉዑ ተጋደልትን ፖለቲከኛታትን እውን እዮም፤ ተጋደልቲ ሰለስተ ምዕራፍ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን፣ ተጋዳላይ ኣባይ ፀሃየን ተጋዳላይ ኣስመላሽ ወልደስላሰ (ኣባይ ነብሶ)ን።

#ተጋዳላይ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን

ኣብ ዞባ ምብራቅ ፍሉይ ሹሙ ኣዘባ ኣብ ዝበሃል ቦታ ብ1941 ዓ.ም ተወሊዱ።

ብወለዱ እምባየ መስፍን ዝብል ሹም ዝተዋህቦ ኣምባሳደር ስዩም ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ዓድ ግራት፥ ቤት ትምህርቲ ኣግኣዚ ዛዚሙ ኣብ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ባህርዳር ብዲፕሎማ ተመሪቑ።

ብድሕሪኡ ናይ ዲግሪ ትምህርቲ ንምቕፃል ናብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

ስዩም መስፍን ኣብ 1965 ዓ.ም. ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ዝተመስረተ ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ /ማገብት/  ካብ ዝመስረቱ  ተምሃሮ ሓደ ምንባሩ ዛንትኡ የረድእ።

ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ምስቶም ናብ በረኻ ደደቢት ወፊሮም ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመሩ ተጋደልቲ ሓደ እዩ።

ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ካብ ምምስራት ውድብ ህወሓት ክሳብ ሓላፊ ወፃኢ ጉዳያት ኢትዮጵያን ኣምባሳደርን ብምዃን ኣገልጊሉ።

ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክበፅሕ ኣብ ምግባር ብፍላይ ድማ ቻይና ኣብ ኣፍሪካ እግሪ ክትተክል ዕዙዝ ግደ ከምዘበርከተ ታሪኹ ይሕብር።

ኣብ 2013 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኲናት “ህዝበይ ገዲፈ ኣይከድን ዝከኣል እንተዝኸውን ነዚ ህዝቢ ሸውዓተ ጊዜ ደጊምካ ደጋጊምካ ክትስወአሉ እዩ ዝግባእ” ብምባል ንመራኸቢ ሓፋሽ ምዝራቡ ይዝከር።

ዝተዘረቦ ቃል ብምትግባር  ፍቕሪ ህዝብን ዓድን ፣ ከምኡ እውን ንዕላማኻ ብፅንዓት ክሳብ መስዋእቲ ምቅላስ  ኣርእዩ  ሓሊፉ እዩ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን።

#ተጋዳላይ ኣባይ ፀሃየ

ኣብ1945 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣኽሱም ተወሊዱ ዝዓበየ ተጋዳላይ ኣባይ ፀሃየ እውን  ከም ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ካብ ዩኒቨርስቲ ናብ በረኻ ደደቢት ዝኣተወ ተጋዳላይ እዩ።

ብስድርኡ ኣምሃ ብዝብል ሽም ዝፅዋዕ ተጋዳላይ ኣባይ ፀሃየ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኣኽሱም ቤት ትምህርቲ ኣብርሃ ወኣፅባሃ ፤ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቱ ድማ ኣብ መቐለ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮሃንስ፥ ድግሪ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ተማሂሩ።

ኣብ ዘበነ ስርዓት ሃፀይ ሃይለስላሴ ዝነበረ ጭቆና ንምቅላስ ናይ ዝተመስረተ ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ /ማገብት/ ካብ ዝነበሩ መስረቲ ተምሃሮ ሓደ ምንባሩ ታሪኹ ይሕብር።

ተጋዳላይ ኣባይ ፀሃየ ካብ ምምስራት ማገብት ክሳብ  በረኻ ደደቢት ብምኻድ  ብረታዊ ቃልሲ ካብ ዝጀመሩ ተጋደልቲ ሓደ እዩ።

ኣባይ ፀሃየ ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት፣ ላዕለዋይ ስራሕ ፈፃሚ ኢህወዴግን ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ስራሕ ብሓላፊነት ኣገልጊሉ።

ትግራይ ብወረርቲ 360 ድግሪ ክትክበብ ከላ “ዋጋ ክንከፍል ንኽእል ኢና፤ ህልኽ ኣይኮነን እዙይ፥ እሞ ናበይ ድኣ ክንከይድ? ክነጥፈኣኩም ኢና እንተዘይተንበርኪኽኩም፤ እንተዘይተገዚእኹም ፀጥ ለጥ ኢልኩም እንድዩ ዝበሃል ዘሎ፤ ዋእ! ኣይንግዛእን፤ በቃ! እዚኣ መስዋእቲ ተኽፍል እንተኾይና መስዋእቲ ምኽፋል እያ። ሓድነት ይሃልወና፡ ብቑዕ ኣመራርሓ ይሃልወና ጥራሕ”  ብምባል ምእንተ ትግራይ መስዋእትነት ምኽፋል ክብሪ ምዃኑ ብቃልን ብተግባርን ኣርእዩ መስዋእቲ ከፊሉ።

#ተጋዳላይ ኣስመላሽ ወ/ስላሰ

ተጋዳላይ ኣስመላሽ ወ/ስላሰ (ኣባይ ነብሶ ) ብ1955 ዓ.ም. ኣብ ማእኸላይ ዞባ  ወረዳ  እንዳባ ፃሕማ ከተማ  ዕዳጋ ዓርቢ ተወሊዱ።

ኣስመላሽ ወ/ስላሰ ብብፆቱ ዝተውሃቦ መፀውዒ ኣባይ ነብሶ ዝብል እዩ።

ዕድሚኡ ንትምህርቲ  ምስ ኣኸለ ቀዳማይ ብርኪ  ቤት ትምህርቲ  ከተማ  ዕዳጋ-ዓርቢ  ክሳብ 5ይ ክፍሊ ተኸታቲሉ።

ኣንፃር ደርግ ይግበር ኣብ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ምስ ዓብዪ ሓው ብምዃን ኣብ 1971 ዓ.ም. ናብ ሜዳ ትግራይ ከምዝወረደ ዛንትኡ የረድእ።

ኣባይ ነብሶ መሰከረም 1972 ዓ.ም. ኣብ ወረደ እምባ ኣላጀ  ከተማ  ዓዲ ሸሁ ኣብ ዝነበረ ውግእ ክልቲኡ ኣዒንቱ ከምዝሰኣነ ማህደር ታሪኹ ይሕብር።

ኣብ 1990  ዓ.ም. ኣብ ዝነበረ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዓይደር ኣብ ዝተፈፀመ ደብዳብ ነፈርቲ ተወቒዑ ሓደ ኢዱ ስኢኑ እዩ ተጋዳላይ አስመላሽ ወልደስላሰ።

ተጋዳላይ ኣስመላሽ ኣቛሪፅዎ ዝነበረ ትምህርቱ ብምቕፃል ድግሪን ማስተርስ ምሓዝ ክኢሉ እዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ሓላፍነት፣ ኣባል ማእኸላይ  ኮሚቴ ህወሓትን ኣባል  ሃገራዊ  ፓርላማ  ኢትዮጵያን ብምዃን ኣገልጊሉ።

እዞም ተጋደልቲ ሰለስተ ምዕራፍ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን፣ ተጋዳላይ ኣባይ ፀሃየን ተጋዳላይ ኣስመላሽ ወ/ስላሰ(ኣባይ ነብሶ)ን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ልክዕ ከምዚ ሎሚ 5 ጥሪ 2013 ዓ.ም. ኣብ ወረዳ ላዕላይ ፀለምቲ ጣብያ ማይ ግመረ ቑሸት ጨር ፍሉይ ቦታ ማይ ደጉዓለ ምእንተ ክብሪ ዓዶም ኽቡር መስዋእትነት ኸፊሎም። 

#ብይብራህ_እምባየ