መቐለ፥ 30 መስከረም 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ብምትሕብባር በዓል መዚ ቁፅፅር ምግብን መድሓኒትን ትግራይን ቤት ፅ/ት ፖሊስ ከተማ መቐለን ብልዕሊ 3 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ዝግመት ዘይሕጋዊ ሽጋራ፣ ሽሻ፣ መዐወኒ ዕፃት፣ 14 ኩንታል ብፕላስቲክ ዝተሰርሐ መሰል (ፎርጅድ)መዳበርያ ፣ግልጋሎት ዝሓለፎ ንህፃናት ምግቢ ዝውዕል ፕላምፕኔት፣ ፋፋ፣ቅብዓት ኦቾሎኒን ዘይትን ሓዊሱ ክቃፀል ተገይሩ።
ሓላፊ በዓል መዚ ቁፅፅር ምግብን መድሓኒትን ትግራይ ኣይተ ጠዓመ ዓረዶም መንእሰይ ትግራይ ተማሂሩ ከይሓልፈሉ ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ትግራይ ንቅድሚት ከይስጉምን መነባብሩኡ ከየማሓይሽን ኮነ ኢሎም ዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ዝሰርሑ ኣካላት ብቐፃሊ እናተኸታተልካ ግቡእ ስጉምቲ ምሃብ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።



እቶም ዝተኣገዱ ዘይሕጋዊ መዐወንታትን መዓልቶም ዝሓለፎም ምግብታትን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተታሕዙ እዮም።
መብዛሕቲኦም መዐወኒታት ካብ ማእኸል ዓዲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ከተማ መቐለ ተፃዒኖም ክኣትው ዝተትሓዙ ከም ዝኾኑን እቲ ዘይሕጋዊ (ፎርጅድ መዳበርያን) ካልኦትን ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ቀ/ወያን ካልኦትን ዝተትሓዘ ከምዝኾነን ዝገለፁ ድማ ሓላፊ ምፅራይ ገበን ክፍለ ከተማ ቐ/ወያነ ተጋዳላይ ግርማይ ብሻነ ኾይኖም እዞም ጠንቂ ሕ/ሰብ ዝኾኑ ፀገማት ንምፍታሕ ሕዚ ውን ጥቆማ ሕ/ሰብ ዝለዓለ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።
ብፍላይ ሓረስታይ ትግራይ ካብ ድኽነት ንከይናገፍ ዓሊሞም ዘይሕጋዊ መዳበርያ ካልኦትን ዘምርቱን ዘከፋፈሉን ኣካላት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክውዕሉ ምስ መድረግቲ ኣካላት ተዋዲዶም ይሰርሑ ከምዘለውን ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉን ምክትል ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ መቐለ ኮማንደር ኣብርሃ ወረደ ገሊፆም።