ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ዝጠሓሉ ስደተኛታት ኩሎም ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት (ኣይኦኤም) ኣረጋጊፁ።
እቶም ካብ የመን ብኽልተ ጀላቡ ናብ ጅቡቲ ዝምለሱ ዝነበሩ 310 ስደተኛታት ቅድሚ ናብ ገምገም ባሕሪ ምብፅሖም በቶም ነተን ጀላቡ ዝዝውሩ ዝነበሩ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት፡ ናብ ባሕሪ ክኣትዉ ኣብ ዝተገደዱሉ እዋን እቲ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ምብፅሑ ኣረዲኡ።

በቲ ፍፃመ ብውሕዱ 45 ሰባት ክሞቱ ከለዉ ልዕሊ 100 ደሃዮም ዝተሳእነ ስደተኛታት ንምርካብ ድማ ኣለሻ ይካየድ ኣሎ።
ኩሎም እቶም ኣብ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ዝተረጋገፀን ሃለዋቶም ዘይተፈልጠን ካብ የመን ብጅቡቲ ኣቢሎም ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ስደተኛታት ምንባሮም ተሓቢሩ።
ፍልፍል-ቢቢሲ