Home ስፖርት ሎሚ መስከረም 12/2017 ዓ.ም ብማሕበር መስቀል ጮምዓ መቐለ ዝተዳለወ ውድድር ዓብይ ጉያ...

ሎሚ መስከረም 12/2017 ዓ.ም ብማሕበር መስቀል ጮምዓ መቐለ ዝተዳለወ ውድድር ዓብይ ጉያ ናብ ጎቦ ጮምዓ ተኻይዱ።

210

መቐለ፥መስከረም12/2017 ዓ/ም(ቴሌቪዥን ትግራይ)

“ዓብዪ ጉያ ንኹለመዳያዊ ዕብየት ጎቦ ጮምዓ” ብዝብል ቴማ ካብ ኣደባባይ ሮማናት ናብ ጎቦ ጮምዓ 5 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ዓብዪ ጉያ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ዓብዪ ጉያ ፕረዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ተረኺቦም ኣጀሚረምዎ እዮም።

ኣብቲ ውድድር ዓብይ ጉያ ብደ/ኣንስትዮ ኣትሌታት ጋንታ ኣትሌቲክስ ዋልታ ፖሊስ ዝማም ባራኺ፣ገነት ሳህለን ዘነቡ ወ/ሰንበት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊተን።

ብደ/ተባዕትዮ በሪሁ ተስፋይ ካብ ከተማ ማይጨው ቀደማይ ደረጃ ብምሓዝ እንትዕወት ኣትሌታት ጋንታ ኣትሌቲክስ ጉና በሪሁ ባይራይን ኣታኽልቲ ኪዳኑ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።

ኣብቲ ዓብዪ ጉያ ዝተፈላለዩ ኣካላት ማሕበረስብ ዝተሳተፉ ኮይኖም ንተዓወቲ ሽልማት ገንዘብ ተበርኪትሎም እዩ።

#ሕሉፍ ዕቋር