መቐለ÷2 ጳጉሜን 2016 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)
ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት ኣይተ ኣማኒኤል ኣሰፋ ኣብ ድሕረ ጉባኤ ዝተሰርሑ ስራሕትን ዝነበሩ ዓንቀፍቀፋትን ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።
ድሕሪ ጉባኤ ኣብ መላእ ትግራይ ምስ ኣባላት ዘተ ከምዝተኻየደ ገሊፆም።
“ኣባላት ህወሓት ኣብ ጉባኤ ከይሳተፉ ኣብ ዝተኸልከለለን ከባቢታት ህወሓት ምስ ኣባላታ ከይትራኸብ ዕንቅፋት ነይሩ እዩ” ኢሎም።
“ብዙሓት ኣመራርሓ ብምኽንያት ዝሓዝዎ ፖለቲካዊ ቅዋም ካብ ስርሖም ክእለዮ ተገይሩ እዩ እዚ እውን ካሊእ ዕንቅፋት እዩ” ብምባል ኣብሪሆም።
“ካብ ሕግን ስርዓትን ቤት ምኽሪ ወፃኢ ብዝኾነ መንገዲ ዝግበር ዘሎ ሰባት ናይ ምሻምን ምውራድን ተግባራት ትኽክል ኣይኮነን” ክብሉ እውን ገሊፆም።
“እዚ እናኾነ ስቕ ዝመረፅናሉ መንገዲ ድማ ናብቲ ዘሎ ዋዒ ነዳዲ ካብ ምውሳኽ ክንቁጠብ ስለዘለና እዩ” ኢሎም።
“ህዝቢ ዘለዎ ፀገም ይኣኽሎ እዩ” ዝበሉ ኣይተ ኣማኑኤል “እቲ ዝግበር ዘሎ ሓላፍነት ዝጎዶሎ ኣካይዳ ንፀላኢ እምበር ንህዝቢ ትግራይ ኣይጠቅምን” ኢሎም።
ኣይተ ኣማኒኤል ኣሰፋ ኣብቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ምክትል ኣቦ መንበር ኮይኖም ምምራፆም ዝፍለጥ እዩ::