Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ሓረስቶት መካናይዜሽን ተጠቒሞም ዝሐሸ ምህርቲ ክረኽብሉ ዘኽእል ዕድል ኣሎ-ትካል ዓለም ለኸ ተራድኦ...

ሓረስቶት መካናይዜሽን ተጠቒሞም ዝሐሸ ምህርቲ ክረኽብሉ ዘኽእል ዕድል ኣሎ-ትካል ዓለም ለኸ ተራድኦ ጀርመን/ ጅኣይ ዜድ/

237

መቐለ፥ 10 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ምስ ትካል ዓለም ለኸ ተራድኦ ጀርመንን /#ጅኣይ ዜድ/ ዓለም ለኸ ምርምር ስርናይን ዕፉንን ስሚትን ብምትሕብባር ኣብ ወረዳ እንድርታን ሕንጣሎን ብምርምር ዝተዘርአ ክላስተር ስርናይ ብሉፅ ተሞኩሮ ንምክያድ ዑደት ኣሳሊጡ።

ሓረስቶት መካናይዜሽን ተጠቒሞም ግዚኦም፣ገንዘቦምን ጉልበቶምን ቆጢቦም ዝሐሸ ምህርቲ ክረኽብሉ ዘኽእል ዕድል ምህላው ኣተሓባባሪ ትካል ዓለም ለኸ ተራድኦ ጀርመን ኣይተ በላይ ታደሰን ሲነር ስፐሻሊስት መካናይዜሽን ሲምት ኣይተ ኤፍረም ታደሰን ገሊፆም።

ብመከናይዜሽን ዝተደገፈ ዝራእቲ ተጠቒሞም ፅቡቕ ፍርያት ይፅበዩ ምህላዎም ዝገለፁ ተጠቀምቲ ብግዲኦም ካልኦት ሓረስቶት ዘመናዊ እታዎት ተጠቒሞም ምህርቶም ከዕብዩ ይግባእ ኢሎም።

ብሜካናይዜሽን ምዝራእ ኣብ መፍረያይነት ዓብዪ ግደ ከምዘለዎ ዝገለፁ ኣብቲ ዑደት ተሞኩሮ ዝወሰዱ ሓረስቶት ድማ ብተግባር ንምስራሕ ከምዘላዓዐሎም ገሊፆም።

ሓረስታይ ትግራይ ንምዝማንን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ መፍረያይነት ንምርግጋፅን ግዜን ጉልበትን ዝቑጥብ ቴክኖሎጂ ወሳኒ እዩ ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ትግራይ ዶር ኢያሱ ኣብርሃ እዚ ንምጥንኻር ድማ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብትኹረት ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

#ብበላይ_ሽፈራዉ