መቐለ፣13 መስከረም 2017 ዓ/ም(ቴለቨዥን ትግራይ)
ድሕሪ ምጅማር ኩናት ፅንተት ትግራይ ካብቶም ቀልጢፎም ግዳይ መጥቃዕቲን ብርሰትን ዝኾነ ታሪኻዊ መስጊድ ነጋሽ 13 መስከረም 2017 ዓ/ም ብተግባር ስራሕቲ ፅገና ዝጅመረሉ መዓልቲ ከምዝኾነ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዶክተር ኣፅበሃ ገ/ሄር ገሊፆም።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2016 ዓ/ም ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ምስ ቲካ ዝተብሃለ ትካል ዕላዊ ስምምዕ ፅገና ድሕሪ ምግባር 9 መስከረም 2017 ተግባራዊ ስራሕ መጀመሪ ዑደት ኣሳሊጡ ምንባሩ ገሊፆም።
ብዝተቐመጠ ኣንፈት መሰረት ጥንታውነቱ ሓልዩ፣ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ከባቢ ማሕበረሰብ ዘረጋግፅ፣ ተጋሩ ክኢላታት ፅገና ሓድጊ ዝሳተፍሉ፣ ቅዱስነቱ ዝምልስ ስራሕቲ ፅገና ከምዝግበረሉ ሓቢሮም።

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይን ስጡም ክትትል ብምግባር፣ ኣብ ዝተተለመሉ እዋን ተጀሚሩ ዝውዳእ ከይዲ ፅገና ክኾን እኹል ምድላው ተገይሩ እዩ ኢሎም ዶክተር ኣፅበሃ ኣብ ዕላዊ ድሕረገፆም።
ድጋፍ ኩሉ ግዱስ ትግራዋይ ዝጠልብ ብሄራዊ ዋኒን ትግራይ ስለዝኾነ ኩሉ እጃሙ ከበርክት ድማ ፀዊዖም።