Home ዜና ሓዱሽ መመሓየሺ ደንቢ ታሪፍ ግልጋሎት ኣብያተ መዘጋጃ ትግራይ ፀዲቑ።

ሓዱሽ መመሓየሺ ደንቢ ታሪፍ ግልጋሎት ኣብያተ መዘጋጃ ትግራይ ፀዲቑ።

99

መቐለ፥ 19 ሕዳር 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ትግራይ ሓዱሽ መመሓየሺ ደንቢ ታሪፍ ግልጋሎት ኣብያተ መዘጋጃ ትግራይ ከም ዘፅደቐ ዳይሬክተር ምምሕያሽ ግልጋሎት ኣብያተ መዘጋጃ ከተማታት ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ትግራይ ዶክተር ሽሻይ ኪሮስ ገሊፆም።

እቲ ደንቢ “መመሓየሺ ደንቢ ግልጋሎት ኣብያተ መዘጋጃ ትግራይ ቑፅሪ 19/2017” ተባሂሉ ይጥቀስ።

ዕላማ እዚ ደንቢ ከተማታት ትግራይ ዓቕመን ፀንቂቐን ክጥቀማ ገይርካ ፍልፍል እቶት ኣብያተ መዘጋጃ ብምስፋሕ፣ ተጠቃምነት ሕብረተ ሰብ ክረጋገፅ ምግባር ከም ዝኾነ ድማ ገሊፆም።

ድሕሪ ምፅዳቕ እዚ ደንቢ ብብርኪ ክልል 15 ቢሊዮን ብር ንምእካብ ትልሚ ከም ዝተትሓዘ እውን ወሲኾም ገሊፆም።

እቲ ዝነበረ ደንቢ 104/2011 ብዙሓት ክፍተታት ዝነበሩዎን ጊዜኡ ዝሓለፎን ከም ዝኾነ ብምሕባር እቲ ሐዚ ዝፀደቐ ደንቢ፣ ፍልፍል እቶት ብምስፋሕ ፀገማት መሰረተ ልምዓት ንምፍታሕ ከም ዝሕግዝ ኣተሓባባሪ ከይዲ ስራሕ መዘጋጃ ቤታዊ እቶት ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣይተ ሙሉጌታ ገ/የሱስ ገሊፆም።

እዚ ደንቢ ተግባራዊ ንክኸውን ሕብረተ ሰብ ግቡኡ ክፍፅም ፃውዒት ኣቕሪቦም።

#ብቶማስ_ሓዱሽ