Home ዜና ሓዱሽ ደንቢ ትራፊክ 557/2016 ዓ.ም ተግባራዊ ንምግባር ተዳሊና ኣለና ኢሉ ቢሮ መንገድን...

ሓዱሽ ደንቢ ትራፊክ 557/2016 ዓ.ም ተግባራዊ ንምግባር ተዳሊና ኣለና ኢሉ ቢሮ መንገድን መጓዓዝያን ትግራይ።

844

መቐለ፥12 መጋቢት 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

እቲ ወፂኡ ዘሎ ሓዱሽ ደንቢ ትራፊክ ሰለስተ ብርክታት ከምዘለውዎ ዝገለፁ ሓላፊ ቢሮ መንገድን መጓዓዝያን ትግራይ ኣይተ ታደለ መንግስቱ እቲ ደንቢ ምስ ካልኦት ክልላት ብዘይጓነፅ መልክዑ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብምጥዕዓም ንምትግባር ምድላው ተገይሩ ኣሎ ኢሎም።

ብፌደራል ወፂኡ ኣብ ተግባር ዊዒሉ ዘሎ ሓዱሽ ደንቢ ትራፊክ ኣብ ካልኦት ክልላት እታ ሃገር ዘሎ መስርሕን ደንብን ኣብ ትግራይ ውን ኣብ ስራሕ ክውዕል ዝገብርን ንተግባራዊነቱ ዝምችውን ምዃኑ እውን ሓቢሮም።

ካብን ናብን ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃእን ዘሎ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ዝህልው መምርሒን ደንብን ሓደ ብምዃኑ ንተሓታትነቱን ግልፅነቱን ምችውነት ምህላው ገሊፆም።

እቲ ሰለስተ ብርክታት ዝሓዘ ደንቢ ኣብ ብርኪ ሓደ ንዘጋጥም ጥሕሰት ሕጊ ትራፊክ 500 ብር ኣብ ብርኪ ክልተ 1000 ብር ኣብ ብርኪ ሰለስተ ድማ 1500 ብር ቅፅዓት ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

ሓደ ሰብ ትርፊ ዝፀዓነ ተሽከርካሪ 1500 ከምዝቕፃዕ እቲ ደንቢ ደንጊጉ ኣሎ። በዝሒ ትርፊ ሰብ ብዝወሰኸ ድማ ንሓደ ሰብ 100 ብር እናወሰኸ ከምዝኸይድ የረድእ።

ደንቢ 557/2016 መቆፃፀሪ ትራፊክ ካብቲ ብቤት ፍርዲ ዝወሃብ ቅፅዓት ብተወሳኺ ብመኽበሪ ስርዓት ፖሊስ ትራፊክ ድማ ተወሳኺ ቅፅዓት ዘንብር መምርሒ ዘለዎ ምዃኑ ኣይተ ታደለ መንግስቱ ገሊፆም።

ኣብ ፖሊስ ኮሚሽን ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬትትራፊክ ድሕንነት፣ቁፅፅርን ምፅራይ ሓደጋን ኮማንደር ተስፋይ ገብረመድህን እቲ ደንቢ ብዝግባእ ንምትግባርን ስርዓት ትራፊክ ንምኽባርን ከም ትግራይ ኣብ 61 መዋፈሪ ተሽከርከርቲ መነሃርያ ዘለው ሰብ ሞያ ትራፊክ ሙሉእ ስልጠና ብምሃብ ምድላው ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ን 700 ኣባላት ትራፊክ ፖሊስ እኹል መዕበዩ ዓቕሚ ስልጠና ከምዝተወሃበ ዝገለፁ ኮማንደር ተስፋይ ኣብ ልዕሊ ንብረት ሓደጋ ንዘብፀሐ ተሽከርካሪ ንኣሽከርካሪ መግንሒ ፍቓዱ ንሽድሽተ ወርሒ ከምዝእገድ ሓቢሮም። ብሓደጋ ትራፊክ ሂወት ሰብ ንዘሕለፈ ተሽከርካሪ ድማ ካብቲ ብቤት ፍርዲ ዝወሃቦ ቅፅዓት ብተወሳኺ መግንሒ ፍቓድ በዝሒ ግዳያት ኣብ ግምት ብምእታው ንሓደ ዓመትን ልዕሊኡን ከምዝእገድ ሓቢሮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ብፍሉይ ድንጋገ ካብዝተቐመጡ ሕግታት መግንሒ ፍቓድ ከይሓዘ ከሽከርክር ንዝተረኸበ ቅፅዓት 5000 ብር ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ መንገዲ ሑፃ ይኹን ካልእ ተረፈ ኮንስትራክሽን ንዘራገፈ ተሽከርካሪ ብተመሳሳሊ መቕፅዒ ደንቢ ከምዝወፀሉ ውን ኣብሪሆም።

ተገልጋሊ ሕብረተሰብ ካብ ንጉሆ ሰዓት12:00 ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 3 ናይ ምሸት ብስሩዕ ታሪፍ ግልጋሎት መጓዓዝያ ክግልገል ከምዝግባእ ብምሕባር ካብዚ ወፃኢ ዝሕተት ታሪፍ ግን ደንቢ ዝጠሓሰ ከምዝኾነን ህዝቢ ባዕሉ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኮይኑ ክቃለስን ፀዊዖም።

ድሕሪ ምሸት 3 ሰዓት ዝንቀሳቐሳ ባጃጃት ዝምልከት ድማ ኣበየናይ ሰዓት ፣ካበይ ናበይ ከምዝንቀሳቐሳን ኣቐዲመን ንፖሊስ ከፍልጣ ከምዝግባእ ኮማንደር ተስፋይ ኣፍሊጦም።

ካብ ዝተፈቐደሎም ኣካላትን ተሽከርከርትን ወፃኢ ምእንተ ድሕንነት ህዝቢ መስተዋት ተሽከርካሪ ብስቲከር ምሽፋን ከምዘይፍቀድን ብሕጊ ከምዘሕትት እውን ወሲኾም ሓቢሮም።

ሓዱሽ መቆፃፀሪ ደንቢ ትራፊክ 557/2016 ዓ.ም ብፌደራል ኣብ 2016 ዓ.ም ወፂኡ ኣብ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ተግባራዊ ከምዝኾነ ዝገለፁ ሓላፊ ቢሮ መንገድን መጓዓዝያን ትግራይ ኣይተ ታደለ መንግስቱ እዚ ደንቢ ኣብ ትግራይ ክሳብ ሐዚ ተግባራዊ ከይኾነ ከምዝፀንሐ ኣብሪሆም።

ነዚ ምኽንያታት ድማ ሕፅረት በጀት፣ ቤት ምኽሪ ዘይምህላው፣ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ንምትርጓም ዝወሰደልና ግዜን ዝገጠመና ፖሊቲካዊ ቅልውላውን እዮም ኢሎም።

እቲ ሓዱሽ ደንቢ መቆፃፀሪ ትራፊክ 557/2016 ካብ መጋቢት 21 / 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።

መለስ ኣለማት