መቐለ፥11 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ )ሓድነት ህዝቢ ኣስጢምካ ዘላቂ ሰላም ንምርግጋፅ ከም ዝስራሕ ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል (ዶ.ር) ተዛሪቦም።
ደብረፅዮን ገብረሚካኤል (ዶ.ር) ነዙይ ዝበሉ ኣብቲ ዝተኻየደ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ዝተመረፁ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴን ኣባላት ህወሓት ነበርቲ ከተማ መቐለን ዝተረኸብሉ መድረኽ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን እዩ።
“ህዝቢ ትግራይ ብዝተወደበ መንገዲ ብምቅላሱ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ህላውኡ ኣውሒሱ እዩ” ኢሎም።
“ብከቢድ መስዋእቲ ዝተረከበ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዓቒብና ዘይተመለሱ ሕቶታት ንምምላስ ድማ ሰላም ቀዳማይ ሕርያና ገይርና ክንሰርሕ ኢና” ኢሎም።
ዘይተመለሱ ሕቶታት ንምምላስ ይኹን ዘለቂ ሰላም ንምርግጋፅ ድማ ሓድነት ህዝቢ ተጠናኺሩ ክቅፅል ከምዘለዎ ገሊፆም።
“ዝተጀመሩ ስራሕቲ ኣጠናኺርካ ንምቅፃል ምስ ህዝቢ እናተማኸርካ ክኽየድ ስለዝግባእ ምስ ህዝቢ እንዳተራኸብና ክንዝቲ ኢና” ኢሎም።
ዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ እውን ፃዕሪ ከምዝግበር ተዛሪቦም።
ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ እውን ዘሎ ኣፈላላይ ብዘተ ዝፍተሐሉን ህዝቢ ትግራይ እፎይ ዝብለሉን ኩነታት ክፍጠረሎም ሓቲቶም።
ኣብቲ መድረኽ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ይትባረክ ኣማሃ ሓዊሱ ኣመራርሓ ህወሓትን ኣባላት ህወሓት ነበርቲ ከተማ መቐለ ይሳተፉ ኣለዉ።