ሓድጊ ምጥፋእ መንነት ህዝቢ ምጥፋእ ስለ ዝኾነ ኣብ ዕቀባን ፅገናን ሓድግታት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ከምዝሰርሕ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣፍሊጡ።
መቐለ ፥ ግንቦት 19/2017 ዓ.ም .(ቴሌቪዥን_ትግራይ)
ሓድጊ ምጥፋእ መንነት ህዝቢ ምጥፋእ ስለ ዝኾነ ኣብ ዕቀባን ፅገናን ሓድግታት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ከምዝሰርሕ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣፍሊጡ።
እቲ ቢሮ እዚ ዝበለ ኣብ ምዕቃብ ሓድግታት ዘተኮረ ዘተ ኣብ ዘሳለጠሉ ግዜ እዩ።

ጉዳይ ቅደም ሰዓብ እምበር ኩሎም ቀወምቲ ሓድግታት ፅገና ከም ዘድልዮም ድማ ኣብቲ ዘተ ዳህሳስ መፅናዕቲ ዘቕረቡ በዓል ሞያ ዕቀባ ሓድጊ ይብራህ ባረኺ እዮም።እዞም በዓል ሞያ ሓዱሽ ቤተክርስትያን እንትስራሕ ምስቲ ነባር ክመጋገብ ዘይምግባር፣ ተንቀሳቀስቲ ሓድግታት ብኣግባቡ ዘይምምዝጋብ፣ ሓድግታት ኣብ ገዛኻ ምቕማጥ፣ ዝውውር ሓድግታት ብኣግባቡ ዘይምክልኻል፣ ዋንነት ሓድግታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምትሕልላፍን ክእረሙ ዝግበኦም ጉድለታት ምዃኖም ድማ ኣብሪሆም።
ቤተክርስትያን ፅገና ዘድልዮም ሓድግታት ነፂራ ክተቕርብ ከም ዝግባእን ናብ ዩኔስኮ ዝምዝገቡ ሓድግታት እውን ዋንነቶም ምርግጋፅ ወሳኒ ምዃኑን እውን ዝገበርዎ መፅናዕቲ የመላኽት ኢሎም።




ኣብቲ ዘተ ሕቶን ርኢቶን ዘቕረቡ ተሳተፍቲ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ዝወሰዶ ተበግሶ ብምንኣድ ንሕና እውን ዝምልከተና ስለ ዝኾነ ክንስዕቦ ይግባእ ኢሎም።
ዋንነት ገዳማት ኣብ ምርግጋፅ ልዕሊ ዓቕምና ዝኾኑ ፈተናታት ይገጥሙና ስለ ዘለው ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኢዱ ኣእትዩ ክሰርሐሉ ይግባእ ኢሎም ኣብያተ ክርስትያንን ገዳማትን ከምኡ ውን መንበረ ሰላማ ወኪሎም ዝመፁ ተሳተፍቲ።
ንኢንቨስትመንት ኣብ ዝወሃቡ ቦታታት ምስ ኣብያተ እምነት ዘይምንባብ ስለ ዘሎ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ምስ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ተናቢቦም ክሰርሑ ይግባእ እውን ኢሎም እቶም ተሳተፍቲ ።
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣይተ ሃይላይ በየነ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ወለዲ ዓቂቦም ዘፅንሑዎም መግለፂ ስልጣነ፣ታሪክን መንነትን ህዝቢ ትግራ ዝኾኑ ሓድጊታት ተግባራት ምጥፋእ ይፍፀሙ ከምዘለዉ ሓቢሮም ።
ምክትል ሓላፊት ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ወ/ሮ ዘነቡ ሓለፎም ልዕሊ 99 ሚኢታዊ ሓድግታትና ምስ ሃይማኖት ዝተትሓሓዙ እዮም ፤ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ሓድግታት ዓቂባ ኣፅኒሓ እያ ኢለን።
ኣብዞም ቀረባ እዋናት እዚ ባህሊ ምዕቃብ ሓድግታት ይሽርሸር ከምዘሎ ብምሕባር እዚ ወለዶ ክብርታትን ሓድጊታትን ወለዱ ዓቂቡ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ዘሕልፍ ወለዶ ስለ ዘድልየና ኣብ ህንፀት ወለዶ ክንሰርሕ ይግባእ እውን ኢለን።
ኣብ ምስናድ፣ ምዕቃብ፣ ምሕላው ሓድግታት ጉድለታት ኣለው ዝበላ ወ/ሮ ዘነቡ ሰኣን መገልገልቲ ናብ ምዕፃው ዝተቓረባ ብዙሓት ሓድግታት ዝሓዛ ኣድባራት ምህላወን እውን ኣረዲአን።
ኣቦታትና ዘፅንሑልና ሓድግታት እናጠፍኡ ብምዕቃብን ብምክብካብን ናብ ቐፀልቲ ወለዶታት ንምትሕልላፍ ምስ ዝምልከቶም ኣካላትን ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ድማ ሓላፊ ክፍሊ ሒሳብን በጀትን መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ተዋህዶ ትግራይ መሪጌታ ፅጌ ገ/ስላሴ እዮም።
ኣብ ገዳማትን ኣብያተ ክሰዠርስትያንን ዝርከቡ ኣቦታትን ኣብ ሓለዋን ክንክንን ሓድግታት ስልጠና ከምዝህቡ እውን እውን ኣፍሊጦም።
በዓላት ኣብ ምኽባር ክብርን ስርዓትን ሃይማኖት ዘይገልፁ ይኾኑ ኣለው መልክዕ ተዝሕዝ ዝብል ሓሳብ እውን ኣብቲ ዘተ ቀሪቡ።
#ብኪሮስ_መሓሪ