Home ዜና ሕሱም ናብራ ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ዳባት

ሕሱም ናብራ ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ዳባት

1448

—-

ኣብ ዳባት ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብሕሱም ናብራ ይሳቐዩ ምህላዎም ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ትግራይ ዝተተፈፀመ ጀኖሳይድ ስዒቡ ናብ ዳባት ክዘዋወሩ ዝተገደዱ ኤርትራዊያን ስደተኛታት፤ ኣብቲ ሓዱሽ መዓስከር ገጢምዎም ዘሎ ሕሱም ናብራ ንመፃኢ ዕድሎም ዘፀልምት ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊፆም፡፡   

ኣብ ከባቢ ዳባት ኣብ ዝርከብ ኣለም ዋጭ ዝተብሃለ ቦታ ሕርሻ ዝተመስረተ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራ፤ ክትነብረሉ ዘፍርሕን ምስ ክረምቲ ተተሓሒዙ ንምንቅስቓስ መፀገሚ ምዃኑን ዝሓበሩ እቶም ስደተኛታት፤ ኣብቲ መዓስከር ንምንባር ኣዚዩ መፀገሚን ስደተኛታት ክረኽብዎም ዝግባእ መሰረታዊ ቀረባት እውን ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉን ገሊፆም፡፡

እቲ መዓስከር ስደተኛታት ንምንባር ኣዝዩ መፀገሚ ምዃኑን ዓቕሊኻ ዘፅብብን እዩ ክብል ርእይቶኣ ንቢቢሲ ዝገለፀት ዮዲት ዝተብሃለት ስደተኛ፤ ብዙሕ ሰብ ኣብ ከተማ ዳባት ክውዕል ዝመርፅ እኳ እንተኾነ ናብቲ ከተማ በፂሕኻ ንምምላስ ዘሎ መንገዲ ዘይውሑስ ብምዃኑ ኩሎም ዕድላት ዕፁዋት ምዃኖም ገሊፃ፡፡

ምስ ወቕቲ ክረምቲ እቲ ከባቢ ጀቕጀቕ፣ ብግመ ዝተዓፈነን ህልም ዝበለ በረኻን ብምዃኑ፤ ኣሽንካይ ንህፃናት ንዓበይቲ እውን ድሕንነት ከም ዘይስመዖም ዝገለፀት ዮዲት፤ ካብ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ይኹን ዓለም ለኻዊያን ትካላት ድሕንነት እቲ ከባቢ ንምሕላው ዝግበር ፃዕሪ ዘይምህላዉ ሓቢራ፡፡

ኣብ ትግራይ ካብ ዝነበርዎ መዓስከር ስደተኛታት፤ ብሰንኪ ኲናት ናብ ዳባት ክዛወሩ ከም ዝተገበረ ዝገልፁ እቶም ኤርትራዊያን፤ ኣብ እዋን ምዝውዋሮም ከቢድ ግፍዒ ከም ዝተፈፀሞምን ብዙሓት ድማ ግዳይ ሞትን ፆታዊ ዓመፅን ከም ዝኾኑ ሓቢሮም፡፡    

ካብ ትግራይ ሃዲሞም ኣብ ዳባት ንምብፃሕ ንዝተፈላለዩ ደላሎን ኣስገርቲን ብርክት ዝበለ ክፍሊት ምሃቦም ዝገልፁ እቶም ስደተኛታት ኤርትራ፤ ፈቐዶ መንገዲ ብዙሓት ሰባት ከም ዝሞቱን፤ ብሰንኪ ጥሜትን ድኻምን ክሳብ ሕዚ ሃለዋቶም ዝተስኣኑ ሰባት ምህላዎምን ድማ ኣይተ ሃብተኣብ ገሊፁ፡፡

“ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ” ካብ ዝተብሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ ሓደ ዝኾነ ኣይተ ሃብተኣብ፤ ኣብቲ መዓስከር ክሳብ 10 ሽሕ ዝበፅሑ ስደተኛታት ምህላዎም ዝገለፀ ኮይኑ፤ እቲ ከባቢ ከቢድ ጭቃ ዘለዎ ብምዃኑ ንምንቅስቓስ መፀገሚን ብፍላይ ህፃናት ከቢድ ስቓይ የሕልፉ ምህላዎም ሓቢሩ፡፡

ምኽንያት ስደትና ደቅና ብሩህ መፃኢ ንኽህልዎም ምዃኑ ዝሓበረት ዮዲት ብግዲኣ፤ ኣብቲ ዘላትሉ መዓስከር ትምህርትን ካልኦት መሰረታዊ ድሌታትን ዘይብሉ ብምዃኑ ደቃ ዕድል ትምህርቲ ተከልኪሎም ግዳይ ጥሜት ይኾኑ ምህላዎም ሓቢራ፡፡

ንስርዓት ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ራሕሪሖም ኣብ ትግራይ ኣብ ዝነበራ ሰለስተ መዕቖቢ ስደተኛታት ዝፀንሑ ኤርትራዊያን፤ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ምስ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ገበትቲ ሓይልታት ኣምሓራን ተዛርዩ ንዘካየዶ ጀኖሳይድ ትግራይ ስዒቡ ግዳያት ንከቢድ ፀገም ተቃሊዖም ምህላዎም ዓለም ለኸ ሚዲያታት ክፅብፅባ ፀኒሐን እየን፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ