መቐለ፥ 10 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ልምዓት ዕዳጋን ትግራይ ኣብ 2017 ዓ/ም ረቛሒታት ንዘማልኣ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት፣ ዩኔናትን ዕቋርን ልቃሕን ዘድሊ ክትትል ብምግባር ሕጊን ኣሰራርሓን ብዝፈቕዶ መስርሒ ቦታ ንክወሃበን ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ።
እቲ ኤጀንሲ ነዚ ዝገለፀ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ 2016 ዓ/ም ገምጊሙ ትልሚ 2017ዓ/ም ዕላዊ ኣብ ዝገበረሉን እዩ።
ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ልምዓት ዕዳጋን ትግራይ ድሕሪ ኩናት ምጥፋእ ሰነዳት፣ድሑር ኣተሓሕዛ መረዳእታ እኹል በጀት ዘይርካብን ዓበይቲ ፀገማት ከምዝነብሩ ብምጥቃስ ን2017 ዓ/ም ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ንኽረአ ይስራሕ ከምዘሎ ሓላፊ እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ነጋ ኣሰፋ ኣፍሊጦም።
እቶም ሓላፊ ክሳብ ሐዚ ብሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ዩኔናት 456 ወገናት ብቀዋሚ፣ልዕሊ 2500 ድማ ብግዝያዊ ዕድል ስራሕ ከምዝረኸቡ ገሊፆም።
ልዕሊ 68 ሽሕ ወገናት ብዓርሰ ስራሕ ፈጠራ ማለት እውን ካብ ዕቋርን ልቃሕን ልቓሕ ብምውሳድ ስራሕ ዝፈጠሩ ኮይኖም ነዚኦምን ካልኦትን ምስ ዝምልከቶ ብምዝርራብ ዘድሊ ድጋፍን ክትትልን ከምዝግበረሎም እቶም ሓላፊ ገሊፆም።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ባህሊ ምዕቋር ብምዕባይ ለውጢ ንምምፃእ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ተሞክሮ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ዕቋርን ልቓሕን ናብ ትግራይ ንምምፃእ ይስራሕ ከምዘሎ ኣይተ ነጋ ኣረዲኦም።
ዕዳጋ ኣብ ምርግጋዕ ምስ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ብምርድዳእ ከም ዝስራሕን ነዚ ክሕግዙ አብ መቐለ ዝካየዱ ባዛርን ኤግዚቪሽናትን ናብ ኩለን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘመሓድረን ዞባታት ንክስፋሕፋሕ ይስራሕ ከምዘሎ እቶም ሓላፊ ኣረዲኦም።
#ብጥዑማይ ገዛኢ