መቐለ፥25 መስከረም 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን_ትግራይ)
ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ፣ ጣብያ ሓፀቦ ብዝተፈላለዩ ዓሌየታት ኣዝርእቲ ዝተዳቐሉን ኵታ ገጠም ጣፍ ተዘሪኦም ኣለዉ።
ብፍላይ ኣብቲ ማእኸል ምርምር ተጌሩ ዝተዘርገሐ ሓምለዋይ ሕብሪ ዝለበሰን #ኣኽሱማዊት ተባሂሉ ዝፅዋዕን ዓልየት ዘርኢ ጣፍ ንተሓራሲ መሬት ጣብያ ሓፀቦ ተመቺይዎ ‘ሎ።
ኣብ ወረዳ ዓድየት ፣ ጣብያ ጅራ ድማ ብዓልየት ኰራ ዝተዘርአን ትፋእ ባርዕ በዓል መስቀል ዝመስልን ጣፍ ፥ ጐልጐል ሙሉእ ሸማሕ ኢሉ ተሸፊኑ ይርአ።
ክልቲኦም ዓልየታት ዘርኢ ጣፍ ፥ ዘለልኦም ከም ጭራ ፈረስ ይወዛወዙ። ቍመቶም ቆልዓ ዓመት መሲሉ ተለይ ተለይ ይብል። ክትጭብጦም ሉሙፅ ኴይኖም ፣ ክትሰዶም ከለኻ ድማ የማን ጸጋም ተላህዮም ሙቍር ንፋስ ይዘርወልካ።
ከም ወዮ << ተፅግበካ ያ ቅጫስ ኣብ ሞቕልኣ እንከላ ትፍለጥ >> ዝብሃል ፥ እዞም ኣኽሱማዊትን ኰራን ዝበሃሉ ዓሌታት ጣፍ ድማ ብዓይንኻ ሪኢኻ ጥራሕ ሕብሮም ፀልማት የብርሁ ፣ ፍርያቶም ‘ውን ጡሙይ ዘፅግቡ ኾይኖም ቀዛሕ ይብሉዃ ‘ሞ ሰናይ ባህታን ዕጉብ ተስፋን ይስመዓካ!
ከም ሓበሬታ ተመራማሪ ሓለዋ ስነ ዝርኣቲ ገብረፃድቕ ዘርኣብሩኽ ፥ ኣኽሱማዊትን ኰራን ምህርቲ ዝውስኹ ዓሌታት ጣፍ እዮም። ነናይ ባዕሎም ባህርን ረባሕታን ከም ዘለዎም የርድእ።
<< ዓልየት ኣኽሱማዊት ካብቶም ካልኦት ብ 10 ሚኢታዊት ወሰኽ ፍርያት ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ተረፈ ምህርቱ ከዓ ንቐለብ እንስሳት ይውዕል >> ዝበለ ተመራማሪ ገብረፃድቕ ዘርኣብሩኽ ፥ << ዓልየት #ኰራ ድማ ካብ ሄ/ር 20 ኵንታል ዝህብ ‘ኳ እንተኾነ ፥ እቲ ንቐለብ እንስሳት ዝውዕል ተረፈ ምህርቱ ግና ተሪር ብሙዃኑ ተጠላቢ ኣይኰነን >> ክብል ሓቢሩ።
ብዜካ እዚ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣኽሱም ኣብ ዘርኢ ስርናይ ኣብቲ ዞባ ምርምር የካዪድ ከም ዘሎ ኣረዲኡ።
ኣስታት 53 ዓሌታት ስርናይ ምርምር ይግበረሎም ከም ዘሎ ተመራማሪ ሓለዋ ስነ ዝርኣቲ እቲ ማእኸል ብርሃነ መለስ ይሕብር። ካብኣቶም 13 ምርምሮም ዓልየታት ዝወድኡ ከም ዝኾኑ እውን እቲ ተመራማሪ ይዛረብ።
ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ጣብያ ሓፀቦ ተዘሪኡ ዝኒሀ ዘርኢ ስርናይ ዓልየቱ ቦሩ ይበሃል ኢሉ ከም ኣብነት ዝፀረሐ ተመራማሪ ብርሃኑ መለስ ፥ << እዚ ዓልየት ሕማም ዝፃወርን ፃህያይ ዘዪበዝሖን ‘ዩ። ልዑል ዝርገሐ ዝናብ ኣብዘለዎም ወረዳታት ላዕላይ ማይጨውን ኣሕፈሮምን ካብ ሄክታር ድማ ክሳብ 60 ኵንታል ፍርያት ይህብ>> ኢሉ። ካብ ትሑት ክሳብ ማእኸላይ መጠን ዝናብ ዝረኽቡ ወረዳታት ታሕታይ ማይጨውን ዓድዋን ድማ ኣባይ ዝበሃል ዓልየት ዘርኢ ስርናይ ንኽጥቀሙ ንሓረስቶት ስልጠና ከም ዝተወሃቡ ትንታነኡ ን #ቴሌቭዥን_ትግራይ ኣካፊሉ።
ዘዘራረብናዮም ሓረስቶት ብወገኖም ፥ በቲ ማእኸል ዝቐረብሎም ዓልየታት ኣዝርእቲ ተጠቀምቲ ይኾኑ ከም ዘለዉ ይዛረቡ።
ኣብ ምርምር ዝተመስረተ ሕርሻ ኵለ መዳያዊ ረብሓ ኣለዎ ዝበሉ እቶም ሓረስቶት ፥ ምህርቲ ብኣግባቡ ንክሕፈሱ መንግስቲ ናውቲ ከቕርብን ፥ ንዝተፀገሙን ስድራ ስውኣትን ዝሕግዙ ሓይሊ ሰብ ከተሓባብርን ተላቢዎም።
ሕርሽኦም ዓመት መፀአ ዝናብ ተጠቒሞም ሓንቲ ሻብ ጥራሕ ከም ዝዘርኡ ዝገልፁ እቶም ሓረስቶት ፥ ብመስኖ 2 ሻብ ንኸፍርዩ ማይ ንክኹዕቶሎም ፀዊዖም።
ስነ ምህዳር መሰረት ዝገበሩን መፍረያዪነት ዝውስኹን ዓልየታት ኣዝርእቲ የቕርብ ከምዘሎ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣኽሱም ይሕብር።
ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ዝርከባ 15 ወረዳታት ምርምራት ኣዝርአቲ ፥ ሃፍቲ እንስሳ ፣ ሃፍቲ ተፈጥሮ ፣ ስርፀትን ዝርግሐን ማሕበረ ቊጠባዊ የካይድ ከም ዘሎ ኣተሓባባሪ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣኽሱም ኣይተ ፅጋብ ንርኣዮ ኣረዲኦም።
እቲ ምርምር ስነ ምህዳር መሰረት ዝገበረ ከም ዝኾነን ምስ መደብ ምጥንኻር ስርዓተ መግቢ ዝተበሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ገባሪ ሰናይ ብምትሕብባር ከም ዝስራሕን እውን ኣይተ ፅጋብ ንርኣዮ ሓቢሩ።
#ኤፍሬም_ረደሀይ