መቐለ፥ 5 ጳጕሜን 2016 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ) – ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈፀመ ውዕል ሰላም ብዙሓት ክፍረመሎም ዘይግባእ ጕዳያት እኳ እንተሃለዉዎ ከም ዝተቐበሉዎ ዝገለፁ ዶክተር ደብረ ፅዮን ኣፈፃፅማኡ ግና ብዙሕ ምጕታት ከም ዘለዎ ንእዋናዊ ዅነታት ኣመልኪቶም ሎሚ ዕለት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።
ብመሰረት እቲ ውዕል ዝግበር ፖለቲካዊ ዘተ ክሳዕ ሕዚ ከም ዘይተጀመረን ሉኣላዊነት ትግራይ ከም ዘይተመለሰን ብምግላፅ ውዕል ፕሪቶሪያ ምሉእ ብምሉእ ክፍፀም ከም ዝቃለሱሉ ገሊፆም።
ኣብቲ ስምምዕ ዘየለ ንክልል ትግራይን ኣምሓራን ንምቅርራብ ተባሂሉ ዝተጣየሸ ብሄራዊ ኮሚቴ ኣሎ፤ ነገር ግን ኣብቲ ስምምዕ ዘየለዉ ውሳነታት የሕልፍ ኣሎ።
ምስ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ተተሓሒዙ ክረጋገፅ ዘለዎ ተሓትነት ከም ዘይተሰርሐሉ ገሊፆም።
ካብ ጠቕላላ ምሩኻት ገበን ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ዝፈፀሙ 400 ዝኣኽሉ ምሩኻት ብከይዲ ምፅራይ ተነፂሮም ከምዝነበሩን ብዘይተሓታትነት ከም ዝተሰደዱን ዝገለፁ እቶም ኣቦ ወንበር እዚ ተግባር ትኽክል ከም ዘይኮነ ተዛሪቦም።
ሕዚ ዝግበር ዘሎ ቀይዲ በተኽ ኣካይዳ ስርዓት ትካላዊነት ዘፍርስ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ዓቕምታትና ይዳኸም ኣሎ ድማ ኢሎም።
ጉባኤ ምክያድና ምስ ዂናት ዘራኽብ የብሉን። ይኹን ደኣ እምበር ዂናት ከምፅኡልና እዮም እናተብሃለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘየለ ስግኣት ክፍጠር ዝግበር ኣካይዳ ትኽክል ኣይኮነን ኢሎም።
ንመንግስቲ ኤርትራ ሓዊሱ ምስ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ሰላም ክንገብር ኢና ንደሊ ኢሎም።
ንመላእ ህዝቢ ትግራይ እውን እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት 2017 ዓ.ም ብሰላም ኣብፀሐኩም ብምባል መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣሕሊፎም።
#ቶማስ-ሓዱሽ