መቐለ፥ 20 መስከረም 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ሕጋዊ ሰውነት ህወሓት ይኹን ዘይተመለሱ ጉዳያት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2017 ዓ/ም ኣብ ዝካየድ ፖለቲካዊ ልዝብ ፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ንምምላስ ይስራሕ ከምዘሎ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ገሊፆም።
ኣይተ ረዳኢ ነዙይ ዝበሉ ሎሚ ብምኽትል ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ እናተመረሐ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ላዕለዎት ኣመራርሓን ኣመልኪቶም ንጋዜጠኛታት መብርሂ ኣብ ዝሃብሉ እዩ።
ኣብቲ ዝነበረ ዋዕላ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ንምንታይ ተገማሚዑ፣ ምርግጋፅን ምውሓስን ብሄራዊ ህላወ ትግራይ ብኸመይ ይምራሕ ዝብሉ ዋና ኣጀንዳታት እቲ መድረኽ ምንባሮም ገሊፆም።
ኣመራርሓ ህወሓት ቅድሚ ኣብ ክልተ ምግምዑ ዝነበረ ኣፈላላይ መኸተ ይገምገም ዶ ኣይገምገም ዝብልን እቲ ጉባኤ ብኸመይ ይካየድ ኣብ ዝብልን ከምዝነበረ ተዛሪቦም።
“ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል (ዶ.ር) ዝምራሕ ህወሓት ታሪኽ 50 ዓመት ህወሓትን መኸተ ህዝቢ ትግራይን ሓንሺሹ ገበነኛ እየ ኢሉ ብምእማን ከም ብሓዱሽ ኣብ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምምዝገቡ ኣብቲ ዋዕላ ብስፍሓት ተላዒሉ እዩ” ኢሎም።
” እቲ ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ህወሓት ዝምራሕ ብወገኑ እቲ ምምላስ ሕጋውነት መኸተ ብዘራኽስ ዘይኾነስ ብውዕሊ ፕሪቶሪያን ብፖለቲካዊ ልዝብን ክምለስ ኩሉ ዓቅሙ ኣዋዲዱ ይሰርሕ ኣሎ” ክብሉ ተዛሪቦም።
ነዙይ ድማ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዘሎ ትግራዋይ ሓጋዛይ ክኸውን ፆዊዒት ኣቅሪቦም።
“ኣብቲ ብዶክተር ደብረፅዮን ዝምራሕ ጉባኤ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝተሳተፈ ዝኾነ ይኹን ሰብ ሕዚ እውን ዝናሳሕ እንተኾይኑ በርና ክፍቲ እዩ” ኢሎም ኣይተ ረዳኢ።
“ሓይሊ ፀጥታ ትግራይ ናይ ህዝቢ ትግራይ ረብሓ ዝሕሉ እምበር ናይ ዝኾነ ጉጅለ መጋበርያ ኣይኮነን፤ መስዋእቲ ህዝቢ ትግራይ ዘራኽስ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቃስ ብትሪ እዮም ዝኹንንዎን ዝቃለስዎን” ኢሎም ።
ንምክትል ኣቦመንበር ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ኣብቲ መድረኽ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ፤ በቲ ሓደ ወገን ዝተኻየደ ጉባኤ ዘይሕጋዊ እዩ ብምባል ኣብቲ ጉባኤ ኣይንሳተፍን ምባሎም ይዝከር።