Home ዜና ውሽጢ ዓዲ “ሕጋውን ትኽክለኛን መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ንምክያድ ምድላዋት ንገብር ኣለና” ብኣይተ ጌታቸው...

“ሕጋውን ትኽክለኛን መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ንምክያድ ምድላዋት ንገብር ኣለና” ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ህወሓት።

67

መቐለ፥ 21 መስከረም 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ብምኽትል ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ መድረኽ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴን ላዕለዎት ኣመራርሓን ህወሓት ሎሚ እውን ቀፂሉ ከምዝውዓለ ተገሊፁ።

ኣብቲ ” ህዝብን ውድብን ብምድሓን ህልውና ትግራይ ምርግጋፅ” ብዝብል ይካየድ ኣብ ዘሎ መድረኽ ዝቐረበ ሰነድ ምይይጥ ይካየደሉ ምህላዉ ተፈሊጡ።

እቲ ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ህወሓት “ሕጋውን ትኽክለኛን” ዝበሎ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ንምክያድ ምድላዋት ይግበር ምህላዉ ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ።

ኣብቲ መድረኽ ሓሳቦም ዝሃቡ ተሳተፍቲ ” ውድብ ህወሓት ናብዚ ሕዚ በፂሕዋ ዘሎ ምግምማዕ ክበፅሕ ዝኸኣለ ኣብቲ ውድብ ስር ዝሰደደ ፀረ_ዲሞክራሲያውነትን ተሓታታይነት ዘይምህላውን እዩ” ኢሎም።

” ስለዝኾነ ሕዚ ዝተዳለወ ሰነድ ህዝብን ውድብን ንምድሓን ካብቲ ዝመፃናዮ ጉግይ መንገዲ ንምውፃእ ሕማም ውድብ እንታይ እዩ ? ብኸመይ ሓሚማን መን አሕሚምዎን ? ዝምልስ እዩ” ክብሉ ተዛሪቦም።

እቲ ሰነድ ብምሁራን ሓሳባት ክውስኹሉ ብምግባር ንኩሉ ብግልፂ ዕላዊ ከምዝኸውንን ብኣባላትን ህዝብን ምይይጥ ከምዝግበረሉን ተገሊፁ።

እቲ ክካየድ እዩ ዝተበሃለ መበል 14 ጉባኤ መዓዝን ብኸመይን ከምዝካየድ ግና ግልፂ ኣይተገበረን።

ውድብን መንግስትን ክፈላለ ኣብ ምግባር ምስቲ ብደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ.ር) ዝምራሕ ህወሓት ሓደ መፈላለይ ጉዳይ ከምዝነበረ ኣብቲ መድረኽ ተላዒሉ።

“ሕዚ ኣብ ዝሓለፉ ፀገማት ጥራሕ ትኹረት ምግባር ዘይኮነስ ህዝቢ ትግራይ እንታይ እዩ ዝደሊ ኣብ ዝብል ዓሲልና ክንሰርሕ ይግባእ ፤ ነዙይ ድማ ኩልና ናይ ተግባር ሰባት ክንከውን ይግባእ” ተባሂሉ።

“ግልጋሎት ዋሃብቲ ትካላት ዝህበኦ ግልጋሎት ምዑርይ ንምግባር ዳግም ክጣያሻ ኣብ ምግባርን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣብ ምትግባርን ምስቲ ብዶ/ር ደብረፅዮን ዝምራሕ ህውሓት ሰፊሕ ኣፈላላይ ነይሩ እዩ” ዝብል ሓሳብ እውን ቀሪቡ እዩ።

ኣብዚ ኣኼባ ዝሳተፉ ዘለዉ ንምክትል ኣቦመንበር ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ 16 ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት እቲ ብደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ.ር) ዝምራሕ ህወሓት ዘካየዶ ጉባኤ ” ሕጋዊ ኣይኮነን” ብምባል ኣይንሳተፍን ምባሎም ይዝከር።

ብ ኣቦወንበር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ.ር) ዝምራሕ ህወሓት ድማ ንምክትል ኣቦመንበር እቲ ውድብ ሓዊሱ ኣብቲ ጉባኤ ዘይተሳተፉ 16 ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ካብቲ ውድብ ከምዘባረሮምን: እቶም ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ንህወሓት ወኪሎም ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ክገብሩ ኣይኽእሉን ምባሉን ዝዝከር እዩ።

ቦርድ መረፃ ኣትዮጵያ ብደብረፅዮን ገ/ሚካኤል(ዶ/ር) ዝምራሕ ህውሓት ዘካየዶ ጉባኤ ኮነ ዘሕልፎ ውሳነታት ተቐባልነት ከምዘይብሉ ምፍላጡ እውን ይዝከር።

#ይብራህ_እምባየ