ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ዘጋጥም ዘሎ ሕፅረት ምሩፅ ዘርኢ ዓሌታት ጣፍ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኣብ 247 ሄክታር መሬት ስራሕቲ ምብዛሕ ዘርኢ የካይድ ከምዘሎ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣኽሱም ኣፍሊጡ።
ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣኽሱም ፍርያትን መፍረይነትን ሕርሻ ዝውስኹ ምስ ስነ ምሕዳር ከባቢ ዝስማዕምዑን ቁንጮ ፣ ዳግም ፣ ቦሴትን ኮራን ዝተብሃሉ ሙሩፃት ዓሌት ዘርኢ ጣፍ ብስፍሓት የራብሕ ከም ዘሎ ተገሊፁ ።
ዘዛራረብናዮም ሓረስቶት እቲ ዞባ ብሰብ ሞያ ምርምር ሕርሻ ዝቐርቡ ዘለዉ ውፅኢታት ምርምር ዓሌት ጣፍ ዋሕዲ ዝናብ ዝፃወሩን ብዙሕ ምህርቲ ዝህቡን ብምዃኖም ከምዝፈተውዎምን ሎሚ ዘበን ዘሪኦም ዝሓሸ ምህርቲ ክረኽቡ ይፅበዩ ከምዘለዉን ተዛቦም ።


ኣብ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣኽሱም ኣተሓባባሪ ምርምር ዘራእቲ ኣይተ ገብረፃድቃን ዘብረኣቡሩኽ ፤ እቲ ማእኸል ምርምር ኣብ ናይ ባዕሉ ምርምር ጣቢያታት ካብ ዘካይዶ ዘሎ ስራሕቲ ምርምር ብተወሳኺ ኣብ ወረዳታት ላዕላይ ማይጨው ፣ ዓድዋ ፣ ዓዴትን ታሕታይ ማይጨውን ሕፅረት ምሩፅ ዘርኢ ጣፍ ዝፈትሕን መፍረያይነት ሕርሻ ዘበርኽን ስራሕቲ ምርምር የካይድ ኣሎ ኢሉ።
እቲ ስነ ምህዳር ወረዳታት መሰረት ዝገበረን ብምትሕብባር ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ሓረስቶት ዝካየድ ዘሎ ስራሕቲ ምብዛሕ ዘርኢ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፅብቕ ብርኪ ዕብየት ከምዘሎን ሓረስቶት ገና ብሕዚኡ ብስፍሓት ክቐርበሎም ጠለብ የርእዩ ከምዘለዉን እቶም ኣተሓባባሪ የረድኡ።

ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣኽሱም ብቐንዱ ኣብ ስራሕቲ ምርምር ጣፍን ዓተርን ትኹረት ሂቡ ዝሰርሕ ኮይኑ ፤ ብምርምር ካብ ዝተረኸቡ ዓሌታት ምሩፅ ዘርኢ ዑፉን ፣ ዳጉሻን ስርናይን ናብ ሓረስቶት ክባፅሑ ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ ።
#ብፍስሃ መዝገበ