Home ዜና መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፅሕኩም ፕረዝዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረ ፅዮን ገ/ሚካኤል

መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፅሕኩም ፕረዝዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረ ፅዮን ገ/ሚካኤል

503
0

ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ንተኸተልቲ እምነት እስልምና ትግራይ ፣ ንጅግና ህዝባዊ ሰራዊትን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ዳያስፖራ ትግራይን እንኳዕ ንመበል 1443 ዓመት በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብፀሓኩም ክብል መልእኽቲ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም ።

ሃፍታም ናይ ‘ምትሕግጋዝን ዘለካ ተኻፊልካ ናይ ምንባርን’ ታሪኽናን ባህልናን ብምሕያል፣ ነንሕድሕድና ተደጋግፍናን ተሓጋጊዝናን እዚ ግዜ ክንሓልፎ ይግባእ ዝበሉ ዶ/ር ደብረ ፅዮን ገ/ሚካኤል በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ምድግጋፍን ምትሕግጋዝን ልዑል ግደ እናተፃወትኩም ንዘለኹም ወገናትና ድማ ዘለኒ ናእዳን ምስግናን ክገልፀልኩም ይፈቱ ኢሎም።

ሕሉፍ ታሪኽና ከምዘረጋግፆ፣ ንሕና ተጋሩ መፃኢ ዕድልና ኣብ ድልዱል ሕብረትናን ማሕበራዊ ስኒትናን ዝተመስረተ ምዃኑ ዘየከራኽር ጉዳይ እዩ ዝበሉ ፕረዚዳንት /ር ደብረ ፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብቶም ዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ  መሪር ቃልስን ዓወትን  ደጊሙ ዝተረጋገፀ እውን፣ ኣብ ቅድሚ ፅኑዕ ብሄራዊ ውህደትናን ማሕበራዊ ስኒትናን ጠጠው ክብል ዝኽእል ምድራዊ ሓይሊ ክህሉ ከምዘይኽእል እዩ ኢሎም።

ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝርከብ ሙሉእ ህዝቢ ትግራይ ሳላ ንምውሓስ ብሄራዊ ክብረቱን መንነቱን ከም ህዝቢ ሰሚሩ ዝተቃለሰ ድማ ናብዚ ሕዚ በፂሕዎ ዘለና ብርኪ ክሰጋገር ክኢሉ እዩ ኢሎም ዶ/ር ደብረ ፅዮን ገ/ሚካኤል ።

መፃኢ ዕድልና ኣብ ሓያል ሕብረትናን ቅልፅምናን ምዃኑ ተረድእና፣ ሙሉእ ሓርነት ትግራይ ንምርግጋፅ፣ ኣብ እነካይዶ ተጋድሎ፣ ሎሚ እውን ከም ወትሩ ህዝባዊ ቃልስና ክነሐይል  የተሓሳስብ ኢሎም ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረ ፅዮን ገ/ሚካኤል ።

ርሑስ በዓል ዒድ ኣልፈጥር!

ትግራይ ትስዕር!

Previous articleጀኖሳይድ ትግራይ ብሽሙ ክፅዋዕ ከምዘለዎ ሕቶ ቐሪቡ፡፡
Next articleተግባራት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኦሮሚያ