Home ዜና ውሽጢ ዓዲ መምህራን ትግራይ ዘለዎም ፀገም ተፃዊሮም ፀገም ህዝቦም ብትምህርቲ ንምፍታሕ ዝቃለሱ ዘለዉ ተጋደልቲ...

መምህራን ትግራይ ዘለዎም ፀገም ተፃዊሮም ፀገም ህዝቦም ብትምህርቲ ንምፍታሕ ዝቃለሱ ዘለዉ ተጋደልቲ እዮም – ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ

774

መቐለ፥ 28 መጋቢት 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

መምህራን ትግራይ ዘለዎም ፀገም ተፃዊሮም ፀገም ህዝቦም ብትምህርቲ ንምፍታሕ ዝቃለሱ ዘለዉ ተጋደልቲ እዮም ኢሎም ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ።

ዓውዲ ትምህርቲ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ዝለዓለ ዕንወት ካብ ዝበፅሖም ዓውድታት ሓደ ከምዝኾነ ሎመዓንቲ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ፓነል ሽልማት ብሉፃት መምህራን ዘርኡ ሓቢሮም።

መምህራን ትግራይ እውን ነቲ ዝገጠሞም ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገም ተፃዊሮም ዓውዲ ትምህርቲ ካብቲ ዘለዎ ዕንወት ንምድሓን ፃዕሪ ይገብሩ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ብፍላይ ድማ እቲ ብሰንኪ ኲናት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቑ ዝፀንሐ ወለዶ ሕዚ እውን ካብ ትምህርቲ ከይተኣጓጎል ዘለዎም ውልቀ ፀገም ተሸኪሞም ወለዶ ይሃንፁ ዘለዉ ተቓለስቲ ብምዃኖም ዝለዓለ ክብርን ምስጋናን ይግበኦም ኢሎም።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ነቶም ኣብ ምህናፅ ወለዶ ዝለዓለ ግደ ዘለዎም መምሃራን ትግራይ ንምሽላም ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ምስ “ቢዝነስ ግሩፕ ኖርዘርን ስታርን” ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይን ብምትሕብባር ሽልማት መምህራን ከምዘዳለወ ገሊፆም።

ኣብ ዳግመ ህንፀት ዓውደ ትምህርቲ ትግራይ ዝለዓለ ኣበርክቶ ይፍፅሙ ንዘለዉን ንሽልማት ብሉፃት መምሃራን ትግራይ ሓላፍነት ወሲዶም ይሰርሑ ንዘለዉ በዓል ዋና “ቢዝነስ ግሩፕ ኖርዘርን ስታር” ዘርኡ ገብረሊባኖስ ኣፍልጦ ንምሃብ ብዝብል እቲ ሽልማት ብሽሞም ክኸውን ማኔጅመንት ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ከም ዝወሰነ ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ድማ እቲ ሽልማት “ሽልማት ብሉፃት መምህራን ዘርኡ” ተባሂሉ ከምዝተሰየመ ሓቢሮም።

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ናይ ክብሪ ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ንዓዶም ካብ ዘለዎም ፍቕሪ ተበጊሶም ሓላፍነት ተሰሚዕዎም ኣብ ዓውደ ትምህርቲ ትግራይ የበርክትዎ ንዘለዉ ኣስተዋፅኦ ብሽም ተምሃሮ ትግራይ ድማ ኣመስጊኖም።

ኣብቲ ዘተ ፓነል ዝተረኸቡ በዓል ዋና “ቢዝነስ ግሩፕ ኖርዘርን ስታር” ናይ ክብሪ ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ብወገኖም፣ መምህርነት መሰረት ኩሎም ሞያታት ብምዃኑ ክኽበርን ክጠናኸርን ዝግበኦ ሞያ እዩ ኢሎም።

መምህራን ንውልቀኦም ዘይኮነስ ንማሕበረሰቦምን ንሕልነኦምን ዝሰርሑ ሰብ ሞያ እዮም ኢሎም።

ብዘይኣድልዎ ወለዶ ዝሃንፁ፣ ፀገሞም ተሸኪሞም ፀገም ዓዶም ክፈትሑ ብቕንዕና ዘገልግሉ ሰብ ሞያ ብምዃኖም ክብሪ፣ ኣፍልጦን ሽልማትን ይግበኦም ኢሎም።

እቲ ሽልማት እውን መምህራን ትግራይ ኣብ ምህናፅ ወለዶ ንዘበርክትዎ ዓብይ ኣስተዋፀኦ ምስጋናን ኣፍልጦን ንምሃብ ዝተዳለወ እዩ ኢሎም።

ሎመዓንቲ ኣብ ከተማ መቐለ “መምህርነት ካበይ ናበይ “ኣብ ዝብል ርእሲ ዘተ ፓነል ዝተኻየደ እንትኾን፣ ካብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ዝተውፃእፅኡ መምሃራንን መንግስታዊ ኣካላትን ተረኺቦም እዮም።

ኣብዚ እዋን መምህራን ዘለዎም ኲነታት መነባብሮ ነቲ ሒዞሞ ዘለዉ ሓላፍነት ዘይምጥንን ኣዝዩ ትሑትን ብምዃኑ መንግስትን ዝምልከቶም ኣካላትን ትኹረት ገይሮም ክሰርሕሉ ኣብቲ ዘተ ዝተልዓለ ዋና ሓሳብ እዩ።

#ብህሊና_ኣርኣያ