መቐለ፥ 22 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ወናኒ ኩባኒያ ቴስላ ኤለን መስክ በብመዓልቱ ሓደ ሚልዮን ዶላር ንደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ እናኸፈለ ምምፅኡ ንሕጊን ኣሰራርሓ መረፃን ኣሜሪካ ዝጥሕስ ምዃኑ ሰብ ሞያ ሕጊ እታ ሃገር ዕላዊ ገይሮም፡፡
ንዘሓለፉ 7 መዓልታት ደገፍቲ ሪፖብሊካን ኮይኖም ንዝፈረሙ መረፅቲ፤ በብመዓልቱ ሓደ ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ምፅንሑ ዝተረጋገፀ ሙስክ፤ ዴሞክራሲ ብምዕፋንን ድምፂ ብገንዘብ ብምዕዳግ ብዝብሉ ገበናት ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ምውዓሉ ፀብፃባት የመላኽቱ፡፡
ንመረፅቲ ገንዘብ ምኽፋል ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ንትራምፕ ፈተና ክኾና ኣብ ዝኽእላ ማእኸላት መረፃ በብመዓልቱ ክሳብ 2 ሚልዮን መረፅቲ ከምዘፈረመ ኣብ ፔልሲንቫኒያ መደረ ዘስመዐ እቲ በዓል ሃፍቲ፤ ኣብ ሕጊ ቁፅፅር ቅድሚ ምውዓሉ ክሳብ ዕለት መረፃ ከም ዝቕፅለሉ ኣፍሊጡ ነይሩ እዩ፡፡
ፔንሲልቫኒያ፣ ጆርጂያ፣ ኔቫዳ፣ ኣሪዞናን ሚቺጋንን ንትራምፕ ከበድቲ ፈተና ምዃነን ዝገለፀ ወናኒ መራኸቢ ኤክስ (X) ን ቴስላን፤ ማሕበራዊ መራኸቢኡን ገንዘቡን ድምፂ ሪፖብሊካን ንምዕዳግ የውዕሎ ምህላዉ ኣፍሊጡ፡፡
ብመሰረት ሕጊ ኣሜሪካ ድምፂ ምዕዳግ ወይ ድማ ብድምፂ ገንዘብ ምቕባል ገበን ምዃኑ ዘፍለጠ ቤት ፈርዲ ኣሜሪካ፤ ኤሌን መስክ ብዝፈፀሞ ገበን ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ምውዓሉን ክሳብ 5 ዓመት ዝኣክል ማእሰርቲ ክፍረዶ ከም ዝኽእል ጠቒሱ ክብል ሲኤንኤን ፀብፂቡ።
#ብገ/ሄር ሃይሉ