መቐለ፥ 2 ሕዳር 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
መራሕቲ ሃገራት ዓለም ኣብ ኣፍሪካ ኲናትን ካልኦት ሓደጋታትን ስዒቦም ዘጋጥሙ ፀገማት ንምፍታሕ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ንክግበር ክዉስኑ ዓለም ለኸ ኮሚቴ ምድሓን ሂወት ፀዊዑ።
ካብ ሎሚ ጀሚሩ ን12 መዓልትታት ኣብ ኣዘርባጃን ባኩ ኣብ ዝሳለጥ ዋዕላ ኩነታት ኣየር ዝሳተፍ መራሕቲ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ኣብ ኣፍሪካ ብሰንኪ ኲናትን ሓደጋ ውሕጅን ተመዛቢሎም ኣብ ከቢድ ኩነታት ንዝርከቡ ሰባት ፋይናንሳዊ ሓገዝ ንክግበር ሓቲቱ ዓለምለኸ ኮሚቴ ምድሓን ሂወት IRC።
ብምዝባዕ ኩነታት ኣየር ዝመፁ ሓደጋታት ኣብ ኣፍሪካ ይውሰኹ ምህላዎም ነታ ኣህጉር ይሃስያ ምህላውን ዘረደኣ lRC ቅልጡፍ መፍትሒ አንተዘይተወሲዱ ዝበኣሰ ሓደጋ ክፍጠር ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ብምዝባዕ ኩነታት ኣየር ዝጥቀዓን ብኲናት ዝተሃሰያን ኢሉ IRC ካብ ዝፈለየን 17 ሃገራት እተን 12 ኣብ ኣፍሪካ ምዃነን ገሊፁ።
ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝቢ ኣፍሪካ ምዝባዕ ኩነታት ኣየር ብዝፈጠሮም ድርቅን ካልኦት ሓደጋታትን ክሳቐ ምፅንሑ ዘፍለጠ እቲ ኮሚቴ ምድሓን ሂወት ጎንፅን ዘይምርግጋዕን ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ዝነብሩ ድማ ስቓዮም ይጋደድን ይናዋሕን ኣሎ ኢሉ።
ዓውዲ ሕርሻ ብዙሓት ሃገራት ብዝተናወሐ ኩናት ዓንዩን ተዳኺሙን እዩ ዳግም ንምሕዋይ ድማ ዘይምርግጋፅ እቶም ከባቢታት ፈተና ኮይንዎ ምህላው ኣረዲኡ እቲ ኮሚቴ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ።
ምዝባዕ ኩነታት ኣየር ምስ ወታደራዊ ጎንፂ ተደማሚሩ ኣብ ኣፍሪካ ከበድቲ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ይፈጥር ኣሎ ዝበለ IRC ቁፅሪ ተመዛበልቲ ምብዛሕን ዘይምርግጋፅ ውሕስና ምግብን ይረአ ምህላው ዝገለፀ እቲ ኮሚቴ እዚ ፀገም ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝበኣስ ምዃኑ እውን ሓቢሩ።
ክብደት እቶም ቅልውላዋት ተረዲኦም ኣብ ዋዕላ ኩነታት ኣየር ዝሳተፍ መራሕቲ ፣ መውፃእቲ ፖሊሲን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን እዚ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዝሕግዝ ውሳነ ንኽዉስኑ ሓቲቱ።
ካብ 197 ሃገራት ዝተወከሉ መራሕትን ተሓለቕቲ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፉ ትፅቢት ዝግበር እንትኾን ምስ ቅዋም ዶናልድ ትራምፕ ተኣሳሲሩ ውሳነታቶም ፈተና ከየጋጥሞ ሰግኣት ምህላው ዩኤስኤ ቱደይ ፀብፂቡ ።