መቐለ፥ 01 መስከረም 2017 ዓ/ም(ቴሌቪዥን ትግራይ)_
መራሕቲ ትግራይ ፖለቲካዊ ኣፈላላዮም ብሰላም ክፈትሑን ድልየት ህዝቢ ትግራይ ከቀድሙን ዋና ዳይሪክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተላብዮም።
ዶክተር ቴድሮስ ምስ ድወት ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ከም ዝበልዎ ክንዲ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ይሃሉ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ክዝረግ ኣይግባእን ኢሎም።
“ማእኸልና ናይ ህዝቢ ድልየት እንተገይርና ንዝኾነ ኣፈላላይ ፖለቲካዊ መፍትሒ ምግባር ይከኣል እዩ” ኢሎም ዶክተር ቴድሮስ።
ህዝቢ ትግራይ ዝግበኦ ድማ ሰላምን ልምዓትን እዩ ብምባል ኩሎም ኣካላት ሽግሮም ብምርድዳእን ብልዝብን ክፈትሑ ፀዊዖም።
ካብዚ ብተወሳኺ ብሰንኪ ኩናት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁፀራ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ጉደኣት በፂሕወን እዩ ዝበሉ ዶክተር ቴድሮስ “ነዘን ግዳያት ዝኮና ኣሕዋትና ካብ ሸልማተይ ዝረከብኩዎ 50 ሽሕ ዶላር (5.4 ሚሊዮን ብር) ዕድል ስራሕ መፈጠሪ ክኾነን ምእንቲ ብምክንያት ኣሸንዳን ሓዱሽ ዓመትን ክህበን ወሲነ ኣለኹ” ክብሉ አረዲኦም።
ሓዱሽ ዓመት ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ ቦትኡ ዝምለሰሉ፣ ሰላም፣ ጥዕና፣ ቅሳነትን ልምዓትን ዝሰፍነሉ ዓመት ክኸውን ድማ ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።
#ይብራህ እምባየ