መቐለ፥ 13 ሕዳር 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
መንሽሮ ኣፍ ደገ ማህፀን ብፍላይ ድማ ግቡእ ክትትል ሕክምና እንተ ዘይተገይሩሉ ብቐታልነቱ ራብዓይ ደረጃ ሒዙ ከም ዝርከብ ትካል ጥዕና ዓለም ይሕብር።
መንሽሮ ኣፍ ደገ ማህፀን ኣብ ከባቢ ታሕተዋይ ክፍሊ ማህፀን ዘለዉ ህዋሳት ናብ ዘይተለመደ ህዋሳት እንትቕየሩን፣ ካብ ልክዕ ወፃኢ ብዝኾነ መንገዲ እንትበዝሑን ዘጋጥም ዓይነት ሕማም መንሽሮ እዩ።
ብተወሳኺ እውን ብቐፃሊ ረኽሲ ቫይረስ ፓፒሎማ ሰብ (HPV) ዝመፅእ እንትኾን፣ ምስ ኤችኣይቪ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ምስተን ቫይረስ ኤች ኣይ ቪ ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ ክነፃፀራ ከለዋ በቲ ሕማም ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎአን ብሽዱሽተ ዕፅፊ ከም ዝዛይድ ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም የመላኽት።
ኣብ 2020 ኣቆፃፅራ ጎርጎርዮሳዊያን ብደረጃ ዓለም ዝተገበረ መፅናዕቲ ኣብቲ ዓመት 604 ሽሕ ሓደሽቲ ሕሙማትን 342 ሽሕ ሞትን ከም ዝተመዝገበ የመላኽት ፡፡
ካብ ዘጋጠመ ሞት ኣስታት 90 ሚኢታዊ ኣብ ትሑትን ማእኸላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ኣብ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጠመ ምዃኑ ይግለፅ።
እዚ ድማ ክታበት ሂዩማን ፓፒሎማ ቫይረስ (HPV)፣ ግልጋሎት ምርመራን ሕክምናን ማህፀን፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ጠለባትን ብኣግባቡ ካብ ዘይምርካብ ዝተፈጠረ ከም ዝኾነ ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም የመላኽት።
ኵነታት ምክልኻል ሕማም፣ ምህላው ካልኦት ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት፣ በዝሒ ወሊድ፣ ኣብ ንኡስ ዕድመ ዘጋጥም ጥንሲ፣ ኣጠቓቕማ መከላኸሊ ጥንሲ ሆርሞናትን ምትካኽ ሽጋራን ካብ ቀንዲ መንቀሊ ሕማም መንሽሮ ኣፍ ደገ ማህፀን ተጠቀስቲ እዮም።
እቲ ሕማም ንዝተወሰነ ግዜ ምንም ዓይነት ምልክት ከም ዘየርኢ ሰብ ሞያ ሕክምና ይገልፁ።

ምልክት ምርኣይ እንትጅምር ግን እዋኑ ዘይሓለወ ወርሓዊ ፅግያት፣ ሽንቲ ንምሻን ምፅጋም፣ ካብ ማህፀን ፈሳሲ ምፍሳስን ካልኦትን እንትኾኑ፣ እዞም ምልክታት ኣብ ገሊኡ እዋን ምልክት መንሽሮ ዘይክኾኑ ይኽእሉ እዮም ይብል እቲ ሓበሬታ። ርግፀኛታት ንምዃን ግን፣ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ እቶም ምልክታት ኣብ ትርእየሉ እዋን ብቕልጡፍ ምርመራ ክትገብር ይግባእ ይብሉ።
ነዚ ድማ ፓፕ ስሚር ዝበሃል መመርመሪ ዘሎ እንትኾን ብተወሳኺ እውን ኣብ ዓድና ቪ ኣይ ኤንን ሉጎሊስ ኣዮዲንን ዝተብሃሉ ብዙሕ ወፃኢ ዘይሓትቱ ዓይነታት ምርመራ ስለ ዘለዉ ደቂ ኣንስትዮ ብቐሊሉ ምርመራ ክገብራ ከም ዝኽእላ ይግለፅ።
“መንሽሮ ኣፍ ደገ ማህፀን ክሕከም ይኽእል ዶ?” ንዝብል ሕቶ መልሱ፣ እወ እንትኾን፣ እቲ መንሽሮ ዝበፅሐሉ ብርኪ፣ ዕድመ፣ ተደረብቲ ሕማማትን ኵነታት ወሊድን ከም ዝውስንዎ ሰብ ሞያ ይሕብሩ።
ደቂ ኣንስትዮ ካብ 30 ዓመት ጀሚረን ኣብ ነፍሲ ወከፍ 5–10 ዓመት ምርመራ ኣፍ ደገ ማህፀን ክገብራ ኣለወን። ምስ ኤች ኣይ ቪ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ካብ 25 ዓመት ጀሚረን ኣብ ነፍሲ ወከፍ 3 ዓመት ክምርመራ ኣለወን።
ከም ቀዳምነት ክታበት ፀረ መንሽሮ ኣፍ ደገ ማህፀን ንዅለን ካብ 9–14 ዓመት ዝዕድሚአን ኣዋልድ ክወሃብ ኣለዎ፤ ቅድሚ ፆታዊ ርክብ ምፍፃመን እቲ ክታበት ብ2 ምዕራፍ ክወሃብ ይኽእል። ምጕዳል ስርዓተ ምክልኻል ዘለወን ድማ ብዝበለፀ 2 ወይ 3 ዶዝ ክወስዳ ኣለወን ይብል እቲ ሓበሬታ።
ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ ትግራይ ካብ 9-14 ዓመት ዝዕድሚአን ኣዋልድ ወፍሪ ክታበት ፀረ መንሽሮ ኣፍ ደገ ማህፀን ካብ 9 -14 ሕዳር 2017 ዓ.ም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ትካላት ጥዕናን ናቚጣታት ክታበትን እናተውሃበ ከም ዘሎ ሓበሬታ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ የመላኽት።
#ህሊና_ኣርኣያ