Home ዜና መንግስቲ ብዝተወደብናሉ መምርሒ 4/2011 መሰረት ሕቶ መንበሪ ገዛ ክምልሰልና ኣይከኣለን-ኣባላት ዓርሰ ምትሕግጋዝ...

መንግስቲ ብዝተወደብናሉ መምርሒ 4/2011 መሰረት ሕቶ መንበሪ ገዛ ክምልሰልና ኣይከኣለን-ኣባላት ዓርሰ ምትሕግጋዝ ሳልሳይ ዙር 70 ካሬ

954

መቐለ፥5 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

መንግስቲ ብዝተወደብናሉ መምርሒ 4/2011 መሰረት ሕቶ መንበሪ ገዛ ክምልሰልና ኣይከኣለን ክብሉ ኣባላት ዓርሰ ምትሕግጋዝ ሳልሳይ ዙር 70 ካሬ ኣማሪሮም።

ዘለዎም ፀገም መንበሪ ገዛ ንምፍታሕ ብ2011 ዓ.ም ብመምርሒ 4/2011 እንትውደቡ 84 ካሬ መንበሪ መሬት ንምርካብ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኣባላት ክሳብ ሐዚ ግን ዝግበአና መሬት ክንረክብ ኣይከኣልናን ኢሎም።

ሕቶና ከይተመለሰ ምዝንግዑን ስቓይና ምንውሑን ከይኣክል ግን “ዝወሃበኩም መንበሪ 84 ካሬ መሬት ዘይኮነስ ኣፓርታማ ንላዕሊ እዩ” ዝብል ሓዱሽ መምርሒ ምስማዕና ጥሕሰት ዝተወደብናሉ መምርሒ እዩ ክብሉ እዮም መረረቶም ዝገልፁ።

ካብ ዝተወደቡሉ ዓመት 2011 ዓ.ም ጀሚሮም በቢወርሑ ናብ ባንኪ ይዓቑሩ ምህላዎም ዝዛረቡ ኣባላት ዓርሰ ምትሕግጋዝ ሳልሳይ ዙር 70 ካሬ፡ ብዝተወደብናሉ መምርሒ መሬትና ከይተወሃበና ዝዓቖርናዮ ገንዘብ ዋጋ ሲኢኑ ኣሎ ኢሎም።

ምድንጓይ ተግባራውነት እቲ መምርሒን ብኣፓርታማ ንላዕሊ ዝብል ሓዱሽ መምርሕን መሰረት ብምግባር ኣባላት ዓርሰ ምትሕግጋዝ ሳልሳይ ዙር 70 ካሬ ሎሚ ንመበል 3ይ ግዜ ናብ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ጥርዓን ንምቕራብ ኣምሪሖም ነይሮም።

ይኹን እምበር ካብ ቤት ፅሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክሳብ ሎሚ መልሲ ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ገሊፆም። ሐዚ እውን በቲ ዝተወደቡሉ መምርሒ 4/2011 ፍትሒ ንምርካብ ሕቶኦም ከምዝቕፅሉ ኣባላት 3ይ ዙር 70 ካሬ ይገልፁ።

ሓላፊት ቢሮ ልምዓት ኮንስትራክሽን ወይዘሮ ኣልማዝ ገብረፃዲቕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ድምፂ ወያነ ኣብ ዝገበረኦ ቃለ መሕትት መምርሒ 4/2011 ንላዕሊ ኣፓርታማ እምበር ብውልቀ ዝወሃብ 84 ካሬ መሬት ከምዘየለ ምግላፀን ዝዝከር እዩ።

ቴሌቪዥን ትግራይ ነዚ ሕቶ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።መልሲ ኣብ ዝረኸብናሉ እዋን ክንቕርብ ኢና ።

#መለስ ኣለማት