መቐለ፥ 11 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ሓሙሽተ ማሕበራት ህንፀት ማእኸል ዕዳጋ ተጋደልትን ስድራ ስዉኣትን መንግስቲ መስርሒ ቦታ ክህበን ዝሓትት ሓበራዊ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂበን።
እተን ማሕበራት ኣሉላ፣ ባህጊ፣ ወርቀዲኖ፣ ፅንዓት 12ን ስምረትን ዝበሃላ ኾይነን፣ ተጋደልትን ስድራ ስዉኣትን ብቑጠባ ዓርሶም ዝኽእልሉ ዕድል ንምፍጣር ዝተጣየሻ እየን። ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለወን ርእሰ ማል ኣዋዲደን ናብ ስራሕ ንምእታው መስርሒ ቦታ ክወሃበን ድማ ሓቲተን።
ብፍላይ ምስቲ ዘሎ ምልውዋጥ ባህሪ ዕዳጋ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ዘለወን ውህሉል ቅርሺ ዋጋ ከይስእን ህፁፅ ፍታሕ ክወሃበን ሓቲተን።
እዘን ማሕበራት ኣብ ዓርሰ ዳግመ ሕውየት ብምንጣፍ ተጋዳላይን ስድራ ስዉኣትን ኣደዳ ስደትን ስእነት ስራሕን ከይኸውን ንምድሓን ዝዓለመ ኣወዳድባ ከምዘለወን ሓላፊ ማሕበር ባህጊ ኮሎኔል ጥላሁን ልኡል ሓቢሮም።
ተጋደልትን ስድራ ስዉኣትን ዓርሶም ንምኽኣል ኢሉ እውን ንማሕበረሰብ ኣብ ዝጠቕሙ ስራሕቲ ኣብ ዝዋፈራሉ እዋን ዓቕሚ ዘለዎ ኩሉ ኣብ ጎነን ክኸውን እውን እተን ማሕበራት ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ሓቢረን።
እዘን ማሕበራት ሕድ ሕደን ሽሕን ሓሙሽተን ኣባላትን ሸሞንተ ሚልዮን መበገሲ ቅርሽን ከም ዘለወን ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።