ኣብቲ ህዝቢ ትግራይ ዘይተወከለሉ ሕጊ-ኣልቦ ፌደሬሽን መሬት ትግራይ ንዋጋ ዕዳጋ ዘቕረበ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ጉዳይ ዘተ ሰላም ኣመልኪቱ ዘውፀኦ መግለፂ ንመንግስትን ህዝቢን ትግራይ ከፀልም ምምኳሩ ዘገርም ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡
መንግስቲ ትግራይ ሰነ 14/2012 ዓ.ም ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝለኣኾ ግልፂ ደብዳቤ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ሰላማዊ መዕለቢ ክረክብ ከም ዝግባእን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ድማ ንሰላም ዘለዎም ቅሩብነት ምግላፁ ይዝከር፡፡
ዘራያት ኣኪቡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቅሉዕ ኲናት ብምእዋጅ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ጀኖሳይድ ዝፈፀመ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ነቲ ብመንግስትን ህዝብን ትግራይ ዝቐረበ ፃውዒት ሰላም ፀማም እዝኒ ሂቡ፤ ንዕሱብ ሰራዊት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራን ብምትእምማን ኔሩ፡፡
ህዝብን መንግስትን ትግራይ፤ ኣብ ልዕሊኦም ዝተኣወጀ ጀኖሳይድ ብጥሙር ቀላፅሞም መኪቶም ብወሳናይ መልክዑ መብዛሕቲኡ ግዝኣታት ትግራይ ናፃ ብምውፃእ ክሳብ ኣፍ ደገ ቤተ-መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ምብፅሑ ስዒቡ፤ ዘላቒ ሰላም ክረጋገፅ ዝኽእል ብዘተ ሰላም ጥራይ ምዃኑ ብምእማን ናብ ግዝኣቱ ምምላሱ ዓለም ኣረጋጊፃቶ ኣላ፡፡
እንትዝሕል ብኢድካ እንትትኩስ ብማንካ ብዝብል ፖሊሲ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ኣብ ዓውደ-ግንባራትን ዓለም ለኸ ዲፕሎማስን ዝበፅሖ ስዕረት ስዒቡ ነቲ ንኽልተ ዓመት ተሓሲምዎ ዝፀንሐ ዘተ ሰላም ተገዲዱ ከም ዝተቐበሎ እኳ እንተገለፀ፤ ኣብ መሬት ዝጭበጥ ለውጢ ከምፅእን ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክኸፍት፣ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክፈቅድን ወረርቲ ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ ከውፅእን ዝቐረበሉ ተደጋጋሚ ፃውዒት ተግባራዊ ክገብሮ ኣይከኣለን፡፡
መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ሰብኣዊ ሓገዝን ተዓፅይዎ ኣብ ስቓይ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ካብ መንግስቲ ትግራይን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝቐርበሉ ዘሎ ተደጋጋሚ ፃውዒት ፀማም እዝኒ ሂቡ ዘሎ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ነቲ ብተግባር ደላይ ሰላም ዝኾነ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ፀሎሎ ክለኪ ላዕሊን ታሕቲን ክብል ምርኣዩ መገረሚ ኮይኑ ኣሎ፡፡
ኢትዮጵያ ንዘተ ሰላም ቅርብቲ ብምዃና ከይዲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝመርሖ ከይዲ ሰላም ክሳለጥን ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ሓለፍቲን ተመዚዞም ኣለዉ፡፡ ህወሓት ግን ክሳብ ሕዚ ዝረአ ምንቅስቓስ ሰላም ኣየርእን ዘሎ፡፡ የግዳስ ወታደራዊ ምቅርራባት እዩ ዝፍፅም ዘሎ ክብል ድማ መለስ ኣለም ዝተብሃለ ኣባል ጉጅለ እቲ ፋሽስት ገሊፁ፡፡

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ብዝኾነ መለስ ኣለም ኣቢሉ ዝቐረበ መፀለምታ፤ ብሚኒስቴር ዲኤታ ቤት ፅሕፈት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ጉጅለ ብዝኾነ ከበደ ዲሳሳ ኣቢሉ እውን ክድገምን ብሚዲያታት እቲ ጉጅለ ክጋዋሕን ተራእዩ፡፡
ብኣፉ ሰላምን ዕቤትን እናሰበኸ ዕድመ ስልጣኑ ብኲናትን ዕግርግርን ክነብር ዝደሊ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ንይምሰል ኣብቲ ዘይሕጋዊ ፓርላምኡ እናቐረበ ተደጋጋሚ ፃውዒት ሰላም እኳ እንተተዛረበ፤ ኣብቲ ምንም ዓይነት ውክልና ትግራይ ዘይብሉን ብኣገኘው ተሻገር ዝምራሕ ሽማዊ ፌደሬሽን ድማ መሬት ትግራይ ንዋጋ ዕዳጋ ከቕርብ ተራእዩ፡፡
ጉዳይ ወልቃይት፣ ፀገዴን ራያን ንምምላስ ካብ ክልል ኣምሓራን ፌደራልን ዝተወከሉ ሰብ ሞያ ሕጊ ክሪእዎ ይግበር ኣሎ፡፡ ኣብ ዙርያ እዞም ቦታታት እኹል ምርድዳእ ምስተገበረ መልሲ ክወሃበሉ ንቐፃሊ ተመሓላሊፉ ኣሎ ክብል ድማ ኣባል ጉጅለ እቲ ፋሽስት ኣገኘው ተሻገር ተዛሪቡ፡፡

ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝረኸብናዮ ዓወት ኣሕሊፍና ኣይንህብን ብዝብል ትምክሕታዊ ሸውሃት፤ ንተፃወትቲ ጋንታ ፋሲል ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ መንበሪ ፍቓድ ዝሃበ ኣገኘው ተሻገር፤ ዋላ እኳ ብኣባላት እቲ ፌደሬሽን ተቓውሞ ገጢምዎ ንቐፃሊ ክንውስኖ እንተበለ፤ ኩነታት ኣመዓራርዩ ንኸወስን ናብ ጉባኤ ምቕራቡ ሓበሬታታት የማላኽቱ፡፡
መንግስቲ ትግራይ ነቲ ብፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝቐረበ መፀለምታ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ንጭቡጥ ኩነታት ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝገልፅ ምዃኑን ሓቢሩ እዩ፡፡
ብገ/ሄር ሃይሉ