Home ቢዝነስ መድረኽ ምልዕዓል ዲጅታል ባንኪንግ ትግራይ

መድረኽ ምልዕዓል ዲጅታል ባንኪንግ ትግራይ

258

ቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ትግራይ ብሰንኪ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ዝዓነወ መሰረት ልምዓት ትግራይ ናብ ዝነብሮ ንምምላስን ብዝበለፀ ንምዝማንን ጠንኪርና ክንሰርሕ ኢና ኢሉ።

ሓላፊ ቢሮ ሳይነስን ቴክኖሎጂን ትግራይ ዶ/ር ከላሊ ኣድሀና ባንኪታት ፣ኢንዳስትሪታትን ወሃብቲ ሰርቪስን ብወረቐትን ካሊኦት ስራሕትን ኣወግድና ኣብ ዳግመ ህንፀት ዲጅታል ባንኪንግ ትግራይ ባንኪ ንግዲ ዝጀመሮ ስራሕቲ ዲጅታል ባንኪንግን ካልኦት እውን ክስዕብዎን መንግስቲ ኣድላይ ደገፍ ከምዝገብርን ገሊፆም።

ዋና ዳይሬክተር መቐለ ዲስትሪክ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣይተ ኤልያስ ልሳነ ወርቅ ኣጠቓቕማ ዲጅታል ባንኪንግ ንድሕሪት ተመሊሱ ስለ ዘሎ ናብ ዝነብሮ ንምምላስን ብዝበለፀ ንምዝማንን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

እዚ ዝተገለፀ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ መድረኽ ምልዕዓል ዳግመ ህንፀት ድጅታል ሞባይል ባንኪንግ ትግራይ ዓሊሙ ኣብ ዘደለዎ መድረኽ እዩ ።

#ብጥዑማይ_ ገዛኢ