Home ዜና መድረኽ ዘተ አብ ኽራማት ትግራይ

መድረኽ ዘተ አብ ኽራማት ትግራይ

115

ኩነታት ዝናብ ክራማት 2016/17 ዓ.ም እናተኸታተልካ ናብ ረብሓ ምውዓል ከምዘድሊ ኢንስቲትዩት ትንበያ ሜትሮሎጂ ጨንፈር ትግራይ ኣገንዚቡ፡፡

ኢንስቲትዩት ትንበያ ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይ ፣ኣብ ትግራይ ንዝቕፅሉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ንዝህሉ ትንበያ ሜትሮሎጂ ንምግምጋም መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ውቕሮ እናሳለጠ ይርከብ።

እቲ መድረኽ ዘተ ምስ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ዝሳለጥ ዘሎ ኮይኑ ኩነታት ትንበያ ለውጢ ኣየር ዓለም ብምግዛብ ፣ ኣብ ትግራይ ክህሉ ዝኽእል ወቕቲ ኽራማት ብኣግኡ ነፂርካ ግቡእ ቅድመ ድልውነት ንምግባር ዕላማ ዝገበረ ከም ዝኾነ ኣካያዲ ስራሕ ኢንስቲትዩት ትንበያ ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኣብራሃ ገሊጾም።

ምዝባዕ ኩነታት ኣየር ኣብ ትሕቲ ድኽነት ንዝነብር ማ/ሰብ ኣሉታዊ ጽዕንቶ ዝፈጥር ብምኳኑ ፣ ከም ትግራይ ኣብ እዋን ክራማት ዘበነ 2016 ዓ/ም ከጋጥም ዝኽእል ስሩዕን ልዕሊ ስሩዑን ዝናብ ናብ ረብሓ ንምልዋጥ እቲ መድረኽ ዘተ ሓጋዛይ ምዃኑ ዝገለጹ ድማ ገምጋማዊ ፅሑፍ ዘቕረቡ ኣተሓባባሪ ጉጅለ ክፍሊ ትንበያን ቅድመ መጠንቀቕታን ኣይተ ዳርጌ ፍቃዱ እዮም።

#መርሃዊ_ተስፋይ