Home ዜና መግለፂ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ

መግለፂ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ

575
0

—-

ሂወት ሰላማዊያን ከድሕን ዘይኽእል ስርዓት ምልክት ውድቀት ምዃኑ ኦፌኮ ገሊፁ፡፡

ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ብሽም ምድምሳስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ “ዓሳ ንምሓዝ ባሕሪ ምድራቕ” ብዝብል ተለምዳዊ ኣካይዳ ኣብ ልዕሊ ሀዝቢ #ኦሮሞ ዝፍፅሞ ዘሎ ጨፍጫፍ፤ ህዝቢ ኦሮሞ ንምጥፋእ ዝዓለመ ሕቡእ ኣጀንዳ እዩ ክብል ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ፡፡

ኣብ መላእ ህዝቢታት #ኢትዮጵያ ክፍፀም ዝፀንሐን ኣብዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ዝፍፀም ዘሎን ሕቡእ ኣጀንዳ ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ፤ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ብምጥሓስ ሃይማኖትን ፖለቲካን ብምትሕምዛቑ ዝተልዓለ ምዃኑ ዝገለፀ ኦፌኮ፤ ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ፤ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ እዛ ሃገር ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ንምፍታሕ ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ ሓዱሽ ሃይማኖታዊ ጎንፂ ተወሊዑ ምህላዉ ጠቒሱ፡፡

 ብሽም ምድምሳስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፤ ኣብ ኦሮሚያ ካብ ዓለም ዝተኸወለ ጨፍጫፍ ይፍፀም ምህላዉን ኣብ 4 ዞባታት #ወለጋ፣ ኣብ ምብራቕ፣ ምዕራብን ሰሜንን ሽዋ፣ ምብራቕን ምዕራብን ጉጂ፣ ምዕራብ ኣርሲ፣ ቦረናን ኣብ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ዞባ ኦሮሚያን፤ ከምኡ ድማ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ዞባ መተከልን ከባቢኡን ብጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድን ዘራያቱን ዝተሃንደሰ ወራር ይካየድ ምህላዉ ዝሓበረ ኦፌኮ፤ ሰላማዊያን ሰባት ምቕታል፣ ገዛውቲን ንብረትን ምቅፃል፣ ወራርን ዕንወትን ጥሪት፣ ማእሰርትን ስቓይን ከምኡ ድማ ስድራ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ምቕታል መግለፂ እቲ ወራር ምዃኑ ገሊፁ፡፡

ኣብዚ ቀረባ እዋን ሰራዊት ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ፤ ድሮንን ነፈርቲ ኲናትን ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ከም ዝፈፀመ ካብ ግዳያት እቲ ሓደጋ መረጋገፂ ከም ዝረኸበ ዝሓበረ መግለፂ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ፤ እዞም ግፍዓዊ ጨፍጫፋት ብሽም ምጥፋእ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ኦሮሞ ይፍፀም ምህላዉ መሕዘኒ እዩ አሉ፡፡

ብሓፈሻ ካብ 8 ክሳብ 21 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም ኣብ ኣቡነ ግንደበረት፣ ኣደኣ በርጋ፣ ምዕራብ ጉጂን ምብራቕ ሽዋን ልዕሊ 278 ሰላማዊያን ሰባት ብድሮናትን ነፈርቲ ኲናትን ከምኡ ድማ ገዛ ንገዛ ከም ዝተጨፍጨፉን ልዕሊ 100 ደቂ ኣነስትዮ ከም ዝተዓመፃን ዝሓበረ መግለፂ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ፣ ካብ ሰራዊት ፋሽሽቲ ጉጅለ ኣብይን ፍሉይ ሓይሊታትን ብተወሳኺ፣ ብክልል ኣምሓራ ዝድገፉ ኣኽረርቲ ዕጡቓት ፋኖ ይፍፅሙዎ ምህላዎም ጠቒሱ፡፡

 ኣብ ጐንደር ተጀሚሩ ናብ መላእ ሃገር ይስፋሕፋሕ ዘሎ ሃይማኖት መሰረት ዝገበረ ጎንፂ፣ ምልክት ምትሕምዟቕ ፖለቲካን ሃይማኖትን ምዃኑ ዝጠቐሰ መግለፂ ኦፌኮ፤ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ #ሕገ መንግስታዊ ድንጋገ ነፃነት ሃይማኖት ብምጥሓስ ኣብ ሃይማኖት ኢዱ ምእታዉ ስዒቡ፣ ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ንሕንሕ ተፈጢሩ ምህላዉ የማላኽት ኢሉ፡፡

ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ዝተወሰኑ #ሃይማኖታት ሒዙ ካልኦት ብምግላል፤ ብመንግስታዊ ሚዲያታት ከይተረፈ ቅስቀሳን ፕሮፓጋንዳን ምክያዱ ዝተለመደ ኮይኑ ምህላዉ ዝሓበረ ኦፌኮ፤ እዚ ተግባር ኣጥቢቑ ከም ዘውግዞ ገሊፁ፡፡

 ብሰንኪ ጉጅለ ፋሽሽቲ ግዳይ ሞት ንዝኾኑ ዜጋታት ሓዘኑ ዝገለፀ ኦፌኮ፤ ኣንፀላሊዩ ዘሎ ደመና ጥፍኣት ደው ንኽብል፤ ሓይሊታት ፀጥታ እቲ ጉጅለ ሰለማዊያን ሰባት ናይ ምሕላው ግዴተኦም ክዋፅኡ፣ ኲናት ደው ኢሉ ሰላማዊ ዘተ ክጅመር፣ ኣብ ልዕሊ ኣኽራሪ ዕጡቕ ፋኖ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ፣ ኣብ ኦሮሚያ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ዘይሻራዊ ዓለም ለኸ ኣካል ኣትዩ ከፃርዮ፣ ሃይማኖት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ደው ክብልን፣ መራሕቲ ሃይማኖት ሓላፍነቶም ክዋፅኡን ፀዊዑ፡፡

ብ ገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleተግባራት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኦሮሚያ
Next articleምብራኽ ሕብረትን ስምረትን ትግራዎት