መቐለ፥13 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)
ማሕበረሰብ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ምስ ኣላጀ ሚድያ ብምትሕብባር ኣብ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ጣብያታት ድብላ ስዔትን ብኮትን ናይ ዝርከቡ ስድራ ስውኣት ዝራእቲ ብወፍሪ ዓፂዱ።
ኣርባዕተ ደቀን ተጋዲሎም ክልቲኦም ዝተሰወኡወን ነባሪት ጣብያ ድብላ ስዔት ዝኾና ወይዘሮ ንግስቲ በየነን ካልኦት ስድራ ስውኣትን ፤ ዝተገበረሎም ሓገዝ ዓፂድ ዝራእቶም ካብ ብኽነት ዘድሐነ ብምዃኑ ኣመስጊኖም።


ምክትል ፕረዚደንት ምምሕዳርን ልምዓትን ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ኣይተ ፅጋብ ኣረጋውን ኣካያዲት ስራሕ ኣላጀ ሚድያ ወይዘሪት ሰናይት ገብሩን ዝራእቲ እዋኑ ብዘይሓለወ ዝናብን ካልኦት ባልዓትን ከይባኽን ሓገዝ ወፍሪ ዓፂድ ተጠናኺሩ ክቕፅል ፀዊዖም።
ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ሰለሞን ትኩእ ብዝራእቲ ካብ ዝተሸፈነ ልዕሊ ቴስዓ ሽሕ ሄክታር ተሓራሳይ መሬት ዛጊድ ኣብ ዉሱን ሄክታር መሬት ዝርከብ ጥራሕ ከምዝተዓፀደ ብምሕባር እቲ ወፍሪ ኣብ ኩለን ወረዳታት ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ገሊፆም።