ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ናብ መበል 14 ስሩዕ ውድባዊ ጉባኤ ዝቐርብ ገምጋማዊ ፀብፃብ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ፤ ብሙሉእ ድምፂ ከም ዘፅደቐ ኣፍሊጡ።
ህወሓት ዘጋጠምዎ ውሽጣውን ግዳማውን ፀገማት ፈቲሑ ህዝባዊ ተልእኾኡ ንምፍፃም ዘኽእሎ መበል 14 ስሩዕ ውድባዊ ጉባኤኡ ንምክያድ ኣብ ምድላው ከም ዝርከብ ሓቢሩ።
ነዚ መሰረት ብምግባር ” ውድብና ብምድሓን ንመድረኻዊ ተልእኾኡ ነብቅዕ !” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መላእ ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ውድብ ከምኡ እውን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዝተሳተፈሎም ገምጋማትን ምይይጣትን ከም ዝተኻየዱ ዝሓበረ እቲ ውድብ እዚ ድማ መበል 14 ስሩዕ ጉባኤኡ ንምክያድ ጥጥጡሕ ባይታ ከም ዘንፀፈ ኣብ ዕላዊ ድሕረ ገፁ ዕላዊ ገይሩ።
ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ንዝሓለፈ ሓደ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ÷ ገምጋም ዓለማዊ፣ ከባብያውን ሃገራውን ኩነታት፣ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባትን ኣንፈታትን መበል 13 ስሩዕ ጉባኤን ስዒቡ ዝተኻየደ ቀዳማይ ህፁፅ ጉባኤን፣ፖሎቲካዊ ገምጋም መኸተ፣ኩነታት ውሽጠ ውድብን መሪሕነቱን፣ቀፃሊ ኣንፈት ቃልሲ ብመንፅር ብሄራዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ዝተቓነየ ፀብፃብ ዘትዩ ናብ መበል 14 ስሩዕ ውድባዊ ጉባኤ ንኽቐርብ ብምሉእ ድምፂ ምፅዳቑ ብምሕባር ዝተረፉ ካልኦት ናይ ምድላው ስራሕቲ ንምዝዛም ኣብ ሓፂር እዋን ንኽራኸብ ቆፀሮ ሒዙ ኣሎ ክብል ዕላዊ ድሕረ ገፁ ዕላዊ ህወሓት ኣፍሊጡ ።