ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ ሂማልያን ካታራክት ብምትሕብባር ንልዕሊ 1500 ወገናት ሕክምና መጥባሕቲ ስብሒ ዓይንን ምዕፃፍ ፀጉሪ ዓይንን ንምሃብ ዝዓለመ ወፍሪ የካይድ ኣሎ።
ካብቶም ተሓከምቲ እቶም 90% ብርሃን ዓይኖም ይምለሰሎም ከምዘሎ ስፔሻሊስት ሕክምና ዓይኒ እቲ ሆስፒታል ዶክተር ፊልሞን ሓጎስ ተዛሪቦም።
ክልቲኡ ዓይኖም ስኢኖም ንልዕሊ ሓደ ዓመት እናተመርሑ ዝኸዱ ዝነበሩ ኣይተ ጣሰውን ወይዘሮ ሓዳስን በቲ ዝተገበረሎም ሕክምና ብርሃን ዓይኖም ክምለስ ብምኽኣሉ ሓጎሶም ልዑል ምኳኑ ገሊፆም።
ኣብቲ ክሳብ ዕለት 10/10/2016 ዓ.ም ዝፀንሕ ወፍሪ ዛጊድ ልዕሊ 700 ወገናት ግልጋሎት ከም ዝረኸቡ ዝገለፁ ኣካይዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ኣይተ መረሳ ገ/ስላሰ፣ ሕክምና ዓይኒ ዘድልዮም ወገናት ሕዚ እዉን እቲ ዕድል ክጥቀሙሉ ፀዊዖም።
ኣብ ትግራይ ኣተሓባባሪ ፕሮጀክት ሂማልያን ካታራክት ኣይተ ተስፋይ ተክለማርያም ብወገኖም፣ ንሓደ ተሓካሚ 40 ዶላር ብምምዳብ ናይ መጓዓዝያ፣ ምግቢ፣ መሕደርን ሕክምናን ወፃእታት ሙሉእ ብሙሉእ ብትካሎም ከምዝሽፈንን ብምሕባር፣ ተበፃሕነት እቲ ግልጋሎት ሕክምና እዉን ብመሰረት እቲ ምስ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓን ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱምን ዝተኣሰረ ዉዕሊ ንዝውፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ከምዝቕፅል ኣፍሊጦም።
ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ ስፔሻሊስት ሕክምና ዓይኒ ዝኾኑ ዶ/ር ፊልሞን ሓጎስ፣ ሕማማት ዓይኒ ናብ ዓይነ ስዉርነት ዘቃልዑ ኣብ እዋኖም ሕክምና ስለዘይረኽቡ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም።