Home ዜና ምምሕዳር ከተማ መኾኒ ን 152 ስድራ ስውኣት ነንሕድሕዶም  140 ካሬ ሜትር  መንበሪ...

ምምሕዳር ከተማ መኾኒ ን 152 ስድራ ስውኣት ነንሕድሕዶም  140 ካሬ ሜትር  መንበሪ ቦታ ዓዲሉ።

957

ምምሕዳር ከተማ መኾኒ ምእንተ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ክብሉ ክባር መስዋእቲ ዝኸፈሉ 152 ጀጋኑ ስዋኣት ንስድርኦም ዝኸውን ነንሕድሕዶም 140 ካሬ ሜትር  መንበሪ ቦታ ዓዲሉ።

ከንቲባ ከተማ መኾኒ ኣይተ ረዳኢ ብርሃኑ ስውኣት ንህላወ ዝኸፈልዎ ዋጋ ክባር እኳ  እንተኾነ ብዝተወሰነ ንስድርኦም ንምሕጋዝ ምምሕዳሮም መንበሪ ቦታ ምዕዳል ዝጀመረ  ምዃኑ ኣብሪሆም።

ቅድም ክብል እውን ምምሕዳር ከተማ መኾኒ ንስድራ ስውኣት  መስርሕን መሸጥን ክምዝሃበ ዘዘኻኸሩ እቶም ከንቲባ ሰብ ሃፍቲ ከተማ መኾኒ እውን ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዝ ይግብሩ ምህላዎም ኣረዲኦም።

ሐዚ ውን ስድራ ስውኣት ተዋሂብዎም ዘሎ መንበሪ ቦታ ተሃኒፁ መዘከርታ ደቆም ንክኾንን ማሕበረሰብ ኣብ ጎኒ ስድራ ስውኣትና ክኾን ፀዊዖም።

ምክትል ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ግርማይ ገብሩ ህዝቢ ትግራይ በቢ መዋእሉ ዝገጥምዎ ፈተናታት ንምምካት ክቡር መስዋእቲ እናኸፈለ መፂኡ እዩ ብምባል ክቡር መስዋእቲ  ናይ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ስውኣት ስድርኦም  ንምሕጋዝ ናይ ኩሉ ሓላፍነት ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

ምምሕዳር ከተማ መኾኒ ዝጀመሮ ዕደላ መንበሪ ቦታ ብምንኣድ ካልኦት ወረዳታት ዞባ ደቡብ ትግራይ እውን ክስዕብኦ ኣይተ ግርማይ ገብሩ ኣብቲ ሰነ ስርዓት ምውፃእ ዕፃ ፀዊዖም።

ንስድራ ሰማእታት ዝዕደል ዘሎ መሬት በቲ ምምሕዳር ካሕሳ ተኸፊሉ  ዝተፃፈፈ ምዃኑ ተሓቢሩ።

#ብኣስናቀ መሓመድ