Home ዓለምለኻዊ ዜና ምምዝባል 120 ሚልዮን ህዝቢ

ምምዝባል 120 ሚልዮን ህዝቢ

357

117.3 ሚልዮን ዝግመት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ህዝቢ ኣብ መወዳእታ ዓመት 2023 ኣቈፃፅራ ጎርጎርዮሳዊያን ብሓይሊ ክመዛበል ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ስደት፣ ጎንፂ፣ ዓመፅ፣ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ህዝባዊ ስርዓት ዘናግዑ ከበድቲ ፍፃመታትን ምኽንያታት እቲ ምምዝባል ከም ዝነበሩ ድማ ኤጀንሲ ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ።

ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሚያዝያ 2016 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ጊዜ፣ ቑፅሪ ብሓይሊ ዝተመዛበሉ እናወሰኸ ከም ዝኸደን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ 2016 ዓ.ም ናብ 120 ሚልዮን ክብ ከም ዝበለን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣብ ተግባራዊ መረዳእታ ተመስሪቱ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ ገሊፁ።

ብምኽንያት ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዝነበረ ጀኖሳይዳዊ ዅናት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተመዛበለ በዝሒ ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ከም ዝነበረ ዓለም ለኻዊ ትካል ስደት (IOM) ብዕለት 25 ግንቦት 2021 ኣቈፃፅራ ጎርጎርዮሳዊያን ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ምውፅኡ ይዝከር።

#ብቶማስ_ሓዱሽ