ብጋዜጠኛን ደራስን ሃይሉ ሳህለ ሃይሉ ዝተፅሓፈት “ጭራሞ” ዘርእስታ መፅሓፍ መደብል ግጥምታት ትግርኛ ተመሪቓ።
ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዳኒኤል ተኽሉ(ዶ/ር) ግጥሚ ከም ካልኦት ስነ-ፅሑፋት ብፅሓፍቲ ይኹኑ ኣንበብቲ ትኹረት ከይተውሃቦ ምፅንሑን ሐዚ ግን ንመድብል ግጥሚታት ጭራሞ ሓውሱ ብርክት ዝበሉ ግጥሚታት ይሕተሙ ምህላዎም ኣረዲኦም።
ብግጥሚ ኣቢልና ታሪኽ፣ ባህልና ካልኦት ክብርታትናን ክንገሊፅን ክንስንድን ከምእንኽእል ካብ መድብል ግጥሚታት ጭራሞን ካልኦትን ንምርኣይ ንኽእል ኢና ኢሎም ዶ/ር ዳንኤል።
ነታ መፅሓፍ ዝገምገመን ዝኣረመን ደራስን ጋዜጠኛን ግርማይ ገብሩ መደብል ግጥሚ ጭራሞ ኣብ ከይዲ ዝፍፀሙ ፍፃመታትን ተርእዮታትን እተዙንቱን ንመፃኢ ወለዶ ሕሉፍ ፍፃመታት እተርእይ ብመሰጥትን ውሕዳትን ቃላት ዓሚዪቕ መልእኽቲ ተሕልፍን መፅሓፍ ምዃና ገሊፁ።
ጋዜጠኛን ደራስን ሃይሉ ሳህለ ሃይሉ ብዙሓት ዓሚዪቕ ሓሳብን ክእለት ስነ-ፅሑፍ ዝወነኑ ፅሑፋቶም ንምሕታም ዝፅገሙ ብምህላዎም ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ንደረስትን ገጠምትን ክነተባብዕ ይግባእ ኢሉ።